እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒጀር፡ ኣብ መዓልቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሸውዓተ ኣባላት ኮምሽን ምርጫ ብነታጒ ተቐቲሎም
ኣብ መዓልቲ ምርጫ ኒጀር፡ ሸውዓተ ኣባላት ኮምሽን ምርጫ፡ ብዝተቐበረ ነታጒ ምዝተቐተሉ ተገሊጹ።
እቶም ኣባላት ኮምሽን ምርጫ ተሳፊሮማ ዝነበሩ መኪና ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኒጀር ዞባ ቲላበሪ ዝተቀበረ ነታጒ ረጊጻ ከምዝተፈንጀረትን ሸውዓቲኦም እቶም ኣባለት ኮምሽን ምርጫ ምስታ መኪና ከምዝተቃጸሉን ተገሊጹ።
እቲ ነታጒ ነታ መኪና ክሃርም ኮነ ኢሉ ዝተጻወደ ድዩ ዋላስ ናይ ኣጋጣሚ ነገር እዩ ግን ዝተፈለጠ ነገር የለን።
ህዝቢ ኒጀር ብሰንበት ካልኣይ ዙር ፕረዚደንታዊ ምርጫ እዩ ከድምጽ ውዒሉ።
እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር፡ ኒጀር ካብ ፈረንሳ ኣብ 1960 ሓራ ምስ ወጸአት ናይ መጀመርታ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን እዩ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እቲ ሞት ናይዞም ሸውዓተ ኣባላት ኮምሽን ምርጫ ኣብ ታሪኻዊ መዓልቲ እታ ሃገር ምግጣሙ ኸኣ ጸሊም ነጥቢ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
በቲ ሓደጋ ካልኦት ሰለስተ ሰራሕተኛታት እቲ ኮምሽን ምርጫ'ውን ተሃሪሞም ኣለዉ።
ሃሮና ሞንካይላ ሓደ ካብ ኣባላት ኮምሽን ምርጫ ኮይኑ፡ ንሱ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግልጽ "እቶም ኣብታ መኮና ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን ኣብ መድመጺ ንቁጣ ዝዕዘቡ ሰባት ከምኡ'ውን ድምጺ መውሃቢ ወረቃቕትን'ዮም ሒዞም ነይሮም" ኢሉ።
ኣብ ቀዳማይ ዙር ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኒጀር፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ዝነበረ መሓመድ ባዙም 40 ሚኢታዊት ከምዝረኸበ ይዝከር።
መሓመድ ባዙም ሕጂ'ውን እንተኾነ ነቲ ውድድር ክዕወተሉ ከምዝኽእል እዩ ትጽቢት ተገይሩ ዘሎ።
ቀንዲ መወዳድርቲ መሓመድ ባዙም፡ ፕረዚደንት ኒጀር ነበር ማሓማድ ዖስማን ኮይኑ ኣብ ቀዳማይ ዙር ፕረዚደንታዊ ምርጫ 17 ሚእታዊት ረኺቡ ነይሩ።
ንክልተ ነናይ ሓሙሽተ ዓመት እብረ ተዓዊቱ ፕረዚደንት ብምዃን ንኒጀር ክመርሕ ዝጸንሐ ማሓማዱ ኢሳፉ ዘመነ ስልጣኑ ስለዘብቐዐ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ኣብዚ ዝኻየድ ዘሎ ፕረዚደንታዊ መንርጫ ኣይሳተፍን እዩ ዘሎ።
ኒጀር፡ ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን ድኻታት ሃገራት ኮይና፡ ብሰንኪ እቶም ኣብ ሳሕል ሳህራ ዝንቀሳቀሱ እስላማውያን ዕጡቓት ናይ ጸጥታ ቅልውላው ዘለዋ ሃገር እያ።