ኒጀር፡ 25 ወታሃደራት ኒጀር ብዕጡቓት ተቐቲሎም

Published

ኣብ ኒጀር፡ ኣብ ሓደ ወታሃደራዊ መዓስከር ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 25 ወታሃደራት መንግስቲ ተቐቲሎም።

እቲ ኣብቲ ምስ ማሊ ዝዳወብ ምዕራባዊ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብጂሃዳውያን ዕጡቓት ተኻይዱ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 60 ካብቶም ዕጡቓት ብሰራዊት እታ ሃገርን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ብዝገበርዎ ናይ ኣየር መጥቃዕቲን ከም ዝተቐትሉ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ 71 ወታሃደራት መንግስቲ በቶም ንርእሶም ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኢሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት ተቐቲሎም'ዮም።

ኒጀርን፡ ካልኦት መዳውብቲ ሃገራትን በቶም ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሱ እስላማውያን ጉጅለታት ክጥቃዓ ምጽንሐን ይፍለጥ።

እቲ ሰሜን ካብ ርእሰከተማ ኒያሚ ኣስታት 209 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ እታ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወታሃደራታ ኣብቲ ዞባ ኣዋፊራ ዘላ ፈረንሳ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ወታሃደራዊ ስሪሒታት ንምግምጋም ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ናይቲ ዞባ ኣብ ዝጸዋዓትሉ እዋን'ዩ ተፈጺሙ ዘሎ።

ኒጀር፡ ኣባል ናይቲ ብሳሕል ጉጅለ-5 ዝፍለጥ፡ ንመጥቃዕትታት ዕጡቓት ክከላኸል መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ 2014 ዝቖምዎ ወታሃደራዊ ኪዳን እያ።

እቲ ብፈረንሳ ዝድገፍ ኪዳን፡ ንቡርኪናፋሶ፡ ማሊ፡ ኒጀር፡ ሞሪታንያን ጫድን ዝሓቖፈ'ዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን ኣብቲ ዞባ ብኣሽሓት ወታሃደራት ዝቐመ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣዋፊሩ ይርከብ።

እንተኾነ ግን፡ እቶም 4500 ወታሃደራት ፈረንሳን፡ ልዕሊ 14000 ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራትን ነቶም መጥቃዕትታቶም ዘዛይዱ ዘለዉ ዕጡቓት ክገትእዎም ኣይከኣሉን።

ምስ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልቃዒዳን፡ ዳዕሽን ርክብ ዘለዎም ጉጅለታት ኣብ ኒጀር ከም ዝነጥፉ ይግለጽ።

እቲ ኣብ ታሕሳስ፡ ኣብ ኢን-ኣተስ ዝተባህለ ቦታ ዝተፈመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ዝተገብሩ መጥቃዕትታት እቲ ዝኸፍአ'ዩ።

ኣብ 2017 እውን ቶንጎ ቶንጎ ኣብ ዝተባህለት ኣብ ከባቢ ዶብ ማሊ እትርከብ ቁሸት፡ 4 ወታሃደራት ኣመሪካን፡ 5 ወታሃደራት መንግስቲ ኒጀርን ብጂሃዳውያን ተቐቲሎም ምንባሮም ይዝከር።