እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኩነታት ኣየር ቴክሳስ፡ ቀረብ ኤለክትሪክ ተቋሪጹ ኣብ ዝርከበሉ፡ ነበርቲ ማይ ኣፍሊሖም ክሰትዩ ተነጊርዎም
ኣብ ኣሜሪካዊት ክፍለ-ሃገር ቴክሳስ ብምኽንያት ብርቱዕ ውርጪ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ተቋሪጹ ኣብ ዝርከበሉ፡ ከባቢ ሸውዓተ ሚልዮን ዝኾኑ ነበርቲ ድማ ናይ ቡምባ ማይ ቅድሚ ምስታዮም ከፍልሕዎ ተሓቢሮም።
በቲ ኣብ ክፍለ-ሃገራት ደቡባዊ ኣሜሪካ ተኸሲቱ ዘሎ ብርቱዕ ውርጪ 24 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።
እቲ ኩነታት ኣብ ቴክሳስ ዝኸፍአ ምዃኑ ይንገር።
ኣብቲ ኣዝዩ ዝሑል ኩነታት ኣየር፡ ወላ'ኳ ገለ ነበርቲ ነቲ ናይ ማይ ትቦታት ከይዝሕል ብኮቦርታ እንተሸፈኑዎ፡ ብበረድ ይዕበስ ብምህላው ይትኮስ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝበርትዐ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ፡ ክሳዕ -18 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዘበጽሕ ዛሕሊ፡ ሰባት ንቤቶም ንምማቑ ብብዝሒ መውዓዪ ይጥቀሙ ብምህላዎም፡ ጠለብ ጸዓት ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ ተገሊጹ።
ልዕሊ 13 ሚልዮን ሰባት- ዳርጋ ፍርቂ ነበርቲ እቲ ክፍለ-ሃገር ኣብ ኣገልግሎት ቀረብ ማይ ጸገማት ኣጋጢምዎም ኣሎ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብታ ካብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ጀሚሩ ብበረድን ውርጭን ተሸፊና ዘላ ክፍለ-ሃገር ናይ እዋን ሓደጋ ህጹጽ ኣዋጅ ኣጽዲቑ ኣሎ።
እቲ "ኣፍሊሕኩም ስተዩ" ዝብል ምልክታ ኣብ ከተማ ሂዩስተንን ከባቢኣን ዝተነግረ ኮይኑ፡ ብመሰረት ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣሜሪካ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ወላ እንተተጻረየ'ውን ተበኪሉ ክኸውን ስለዝኽእል ምፍልሑ ኣገዳሲ ምዃኑ ተሓቢሩ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ፡ ወላ ኣስናንካ ንምሕጻብ'ውን እንተኾነ ዝፈልሐ ወይ ድማ ዝተዓሸገ ማይ ጥራይ ምጥቃም ከም ዘድሊ ኣረዲኡ።
ከንቲባ ከተማ ሂዩስተን ሲልቨስተር ተርነር፡ እቶም ቀረብ ጸዓት ዘይብሎምን ማይ ከፍልሑ ዝጽገሙን ዝተዓሸገ ማይ ዝረኽቡሉ መገዲ ከናድዩ መኺሩ።
ኣገልግሎት ጸዓት ኤለክትሪክ "ምናልባት ንዝቕጽሉ ገለ መዓልትታት'ውን ምሉእ ብምሉእ" ዘይክምለስ ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ።
ፖሊስን ሰራሕተኛታት ምላሽ ሓደጋን ሂዩስተን ነቶም ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎምን ኣገልግተት መጉዓዝያ ዝጽገሙን ሰባት ዕሹግ ማይ ከበጻጽሑ ምዃኖም እቲ ከንቲባ ሓቢሩ።
ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ትቦታት ማይ ብበረድ ከይዕበስ ብማለት ነቲ ማይ ከፊቶም ዝሓድግዎ ሰባት ከቋርጹ ኣዘኻኺሩ።
ኣብታ ክፍለ-ግዝኣት ኣባይቲ ንዝሑል ኩነታት ኣየር ኣብ ግምት ኣእትዮም ስለ ዘይስርሑ፡ እቲ መውዓዪታት ካብ ስራሕ ደው ምስ በለ ሙቐት እቲ ኣባይቲ ብቕልጡፍ እዩ ዘንቆልቁል።
ነቶም ኣዝዮም ዝተቓልዑ፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን ማእከላት ዕዳጋን ከም ዝዕቆቡ ይግበር ምህላው ሚስተር ተርነር ገሊጹ።