ሓደ ሰርሳሪ ንቀረብ ማይ ሓንቲ ከተማ ኣመሪካ ናይ ምምራዝ ፈተነ ኣካዪዱ

Published

ሓደ ሰርሳሪ ኮምፕዩተር፡ ናብ ስርዓተ ቀረብ ማይ ከተማ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ ብምእታው ካብቲ ንቡር ንላዕሊ መጠን ዘለዎ ኬሚካል ናብቲ ማይ ክሓውስ ከም ዝፈተነ ሰብ መዚ ገሊጾም።

እቲ ሰርሳሪ ኣብ ማእከል ምጽራይ ማይ ኦልድስማር፡ ነቲ ናብቲ ማይ ዝሕወስ መጠን ሶድየም ሃይድሮኦክሳይድ ክውስኾ ኣብ ዝፈተነሉ ሓደ ሰራሕተኛ ከም ዘስተብሃልሉን ደው ከም ዘበሎን ተገሊጹ።

ሶድየም ሃይድሮኦክሳይድ መጠን ኣሲድ ንምቁጽጻር ብውሑድ ዓቐን ኣብ ማይ ዝሕወስ ኮይኑ ምስ ዝበዝሕ ሓደገኛ ሳዕቤናት ከኸትል ይኽእል እዩ።

ዛጊት ምስቲ ተግባር ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የሎን፤ እቲ ስርሰራ’ውን ካብ ውሽጢ ኣሜሪካ ድዩ ተፈጺሙ ካብ ወጻኢ ኣይተፈለጠን።

እታ ንስርዓተ ምጽራይ ማይ ኦልድስማር እትቆጻጸር ኮምፕዩተር ብዓርቢ እያ ካብ ዘይተፈለጠ ቦታ ትእዛዝ ተቐቢላ።

ሰራሕተኛ እቲ ትካል ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ናብታ ኮምፕዩተር ንምእታው ዝግበር ፈተነ ተዓዚቡ እኳ እንተነበረ፡ ሓለቕኡ ስለዝመሰሎ ከም ዘይተሻቐለ ‘ቴምፓ በይ ታየምስ’ ዝተባህለ ማእከን ጸብጺቡ።

ድሒሩ ግና ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ሰርሳሪ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ናብታ ኮምፕዩተር ክኣቱ ብምኽኣሉ ንዓቐን ሃይድሮኦክሳይድ ብ 11,000% ከዛይዶ ክኢሉ ነይሩ።

እቲ ሰራሕተኛ ነዚ ብቕልጡፍ ብምስትውዓሉ ግና ነቲ ዓቐን ናብ ንቡር መሊስዎ።

ሶድየም ሃይድሮኦክሳይድ ኣብ ምጽራይ መመሓላለፊ ቱቦታት ማይ ዝውዕል ኣገዳሲ ኬሚካል እዩ።

ኣዝዩ ተባላዒ ኮይኑ፡ ኣብ ቆርበት፡ የዒንትን ነድሪ ከኸትልን ግዝያዊ ምርጋፍ ጸጉርን ከስዕብ ይኽእል።

ምስ ዝወሓጥ፡ ኣብ ኣፍ፡ ጎረሮን ከስዐን ጉድኣት ዘውርድ ኮይኑ፡ ተምላስ፡ ዕግርግር ምባልን ውጽኣትን ይድርኽ።

ትካል ምጽራይ ማይ ኦልድስማር ን15,000 ነበርትን ንዋኒናትን ጽሩይ ማይ ይቕርብ።