ሕቡራት ኢማራት ዓረብ 'ፍሉይ ክእለት’ ንዘለዎም ወጻዕተኛታት ዜግነት ክትህብ እያ

Published

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ሃገራ ኣትዮም ንዝሰርሑን ንዝመሃሩን፡ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ዜጋታት ወፃኢ፡ ንፈለማ እዋን ዜግነት ክህብይ እየ ኢላ።

ምክትል ፕረዝደንትን ኣማሓዳሪ ዱባይን ሸኽ መሓመድ ቢን ራሺድ፡ “ንኢማራት ዓረብ ሓድሽ ሃፍቲ ዝውስኹን ፍሉይ ክእለት ንዘለዎምን፡ ተምሃሮ፣ ዶካትር፣ መሃንዲሳት፣ ከየንቲ፣ ሰብሃፍትን መሃዝትን ዜግነት ክንህቦም" ኢና ኢሉ።

እቶም ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ሰባት ምስ ስድርኦም ዜግነት ኢማራት ዓረብ፡ ከምዝብርከተሎም ድማ፡ እቲ መራሒ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፡ ትሑት መሃያ ኣብ ዝኽፈለሉ ዘፈር ስራሕ ዝተዋፈሩ ዜጋታት፡ ተኻፈልቲ እዚ ዕድል ዝኾንሉ ዕድል፡ ውሑድ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኢማራት ዓረብ ኣብ ጎደና ዕብየት ትግስግስ ብምህላዋ፡ ነዚ ዕብየታ ከኣ ግደኦም ንዘበርክቱ ሰባት ንምትብባዕ፡ ዜግነት ምሃብ ኣድላይ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

ነዚ ዜግነት ንምርካብ ግና፡ ምምልካት ኣየድልዮን።

'ኳድኣስ፡ ነዚ ዜግነት ዝሽለሙ ውልቀሰባት፡ ብሰብመዚ ኢማራት ዓረብ ዝተሓረዩ እዮም። ካቢኔ ኢማራት ዓረብ ከኣ፡ ነዚ ዜግነት ብምፅዳቕ ድምፂ ይህበሉ።

እዚ ሜላ፡ ኢንቨስተራት ወፃእን ሰብ ፍሉይ ክእለትን፡ ምስ ኢማራት ዓረብ ጥቡቕ ርክብ ንክህልዎምን፡ ኢማራት ዓረብ ከም ሃገሮም ጌሮም ክርእይዋን ዘኽእል እዩ ተባሂሉ።

ሓደ ጋዜጣ እታ ሃገር፡ እዚ ንዜጋታት ወፃኢ ዜግነት ናይ ምሽላም ስጉምቲ፡ ፍርያት ነዳዲ ኣብ ዝነከየሉን፡ ዜጋታት ወፃኢ ነታ ሃገር ገዲፎም ኣብ ዝወፅእሉን ግዘ ምዃኑ ፀብፂቡ።

ኣብ ጉዳያት ዓረብ ኤዲተር ቢቢሲ ሰባስትያን ኣሸር፡ ሃገራት ወሽመጥ፡ ማእኸል ፋይናንስን ቱሪዝምን ዝኾናሉ መገዲ ኣብ ዜጋታት ወፃኢ ዝተደረኸ ምዃኑ እዩ ዝገልፅ።

ዕድል ስራሕ እዘን ሃገራት 90 ሚእታዊት ኣብ ዜጋታት ወፃኢ ዝተንጠልጠለ እዩ፤ ነበርተን’ውን መብዛሕትኦም ዜጋታት ወፃኢ እዮም።

መብዛሕትኦም ዜጋታት ወፃኢ፡ ንዓመታት ዝሕደስ ናይ ስራሕ ቪዛ ሒዞም ንክፀንሑ ይግደዱ።

ትሑት ኣታዊ ዝረኽቡ ሸቃሎ’ውን፡ ንቁጠባ ኢማራት ዓረብ ዕዙዝ ግደ እዩ ዘለዎም።

መብዛሕትኦም ትሑት መሃያ ዝረኽቡ ሰራሕተኛታት፡ ዝረኽብዎ ገንዘብ ናብ ሃገሮም ዝልእኹ እዮም።

ዋላ’ኳ ዝበዝሑ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሰራሕተኛታት፡ ዝበዝሕ ዕድመኦም ኣብኡ እንተሕለፍዎ፡ ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ኮነ ዜግነት ንምርካብ ከቢድ ኮይኑ እዩ ፀኒሑ።

እዚ ነዞም ትሑት ኣተዊ ዝረኽቡ ሸቃሎ ዜጋታት ወፃኢ ዘግለለ ሓድሽ ዜግነት፡ ኣብ ልዑል ብርኪ ንዝርከቡ ሰብሞያን ዜጋታት ወፃኢ ኮይኖም፡ ሃፍቶም ኣብታ ሃገር ንዘውፈሩ ጥራሕ ዝተተለመ ይመስል።

ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ሸኽ መሓመድ ኣልመክቱብ፡ ንሰብሃፍቲ፣ ዶካትርን ተመራመርትን፡ ወርቃዊ ካርዲ ዝብል ቪዛ ምሃብ ከምዝጀመረ ይዝከር።

እዚ ከኣ፡ ዝተመረፁ ዜጋታት ወፃኢ፡ ን 10 ዓመታት ዝግልገልሉ ቪዛ ንክረኽቡ ዘኽእል ኔሩ።

እዚ ወርቃዊ ቪዛ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝግቡ ተምሃሮ’ውን፡ ዝወሃበሉ ኩነታት ኔሩ።

ሕዚ ግና ዜግነት ኢማራት ዓረብ ክረክብ ዝደልይ በዓልሃፍቲ፡ ኣብታ ሃገር ዓብይ ንብረትን ትካልን ክህልዎ ግድን እዩ።

ዶካትር፡ ልዑል ጠለብ ኣብ ዘለዎ ዓውዲ (ስፔሻላይዝድ) ዝገበሩ ክኾኑ፣ መሃዝቲ ድማ ብኢማራት ዓረብ ዝተረጋገፀ መበቆላዊ ዋንነት ክህልዎም ኣለዎም።

እንተኾነ እዞም ሓድሽ ዜግነት ዝህልዎም ዜጋታት ወፃኢ፡ ካብ ስርዓት ድሕንነት (ዌልፈር) እታ ሃገር ተረባሕቲ ክኾኑ ድዮም ዝብል፡ ግልፂ ኣይኮነን።

ኢማራት ዓረብ ኣስታት 1 ነጥቢ 4 ሚልየን ንዝኾን ህዝባ፡ ናጻ ትምህርቲ፣ ሽፋን ጥዕና፣ ናይ ገዛ ልቓሕን ካልኦትን ጥቕማ ጥቕሚ ትህብ።

ይኹን’ምበር ዜጋታት ወፃኢ እዚ ጥቕማ ጥቕሚ ይረኽቡ ድዮም ዝብል፡ ብንፁር ኣይተቀመጠን።

ኣብ ሃገራት ወሽመጥ፡ ንዜጋታት ወፃኢ ዜግነት ምሃብ ልሙድ ኣይኮነን።

ዜግነት እንተተዋሂቡ’ውን፡ ዜግነት ኢማራት ዓረብ ናይ ዘለዎ/ዋ መፃምዲ፡ ወይከኣ ዜግነት ኢመራት ዓረብ ካብ ዘለዎ ኣቦ ንዝተወለዱ ቆልዑ ጥራሕ እዩ ዝወሃብ።

ምስ ዜጋ ወፃኢ ሓዳር ገይራ ዝወለደት ኣደ፡ ደቃ ብቀጥታ ዜግነት ኣይረኽቡን።