ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ሰሙናት ሎመዓልቲ ብወግዒ ተራእዩ

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ማእኸል ቤት ዕዮ ባምቡላ (Prosthesis) ከምዝረኣየ ብትዊተሩ ገሊጹ።

መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ ማእኸል ተረኺቡ ዘካየዶ ዑደት ብምስሊ ኣሰንየን ጸብጺበንኦ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብትዊተር ኣብ ዝለጠፎም ስእልታት "ጉድኣት ንዘጋጠሞም ኣባላት ምኽልኻል ሃገርን ሲቪላትን ዝስራሕ ቤት ዕዮ ወሃብቲ ደገፍ ኣካል ሪኤለኹ" ዝብል ጽሑፍ ኣስፊሩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

"ካብ ደገ መጺኦም ብወለንትኦም ነዚ ዝሰራሕ ዝሰርሑ በዓል ሰለሞን ኣማረን ካልኦትን ክተባብዑ ኣለዎም" ክብል እውን ገሊጹ።

ኩነታት ድሕነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዝምልከት ዘይተረጋገጹ ሓበሬታታት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ክቃልሑ ቀንዮም'ዮም።

ነዚ ስዒቡ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕነትን ኢትዮጵያ፡ ስኑዕ ሓበሬታ ኣብ ዝርግሑ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ተግባሮም ክዕቀቡ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብወገኑ ድሕነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዝምልከት ዝዝርግሑ ሓበሬታታት ስኑዓት ምዃኖም ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብ4 ጥሪ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ክልል ኣብ ዝርከብ ፕሮጀክት ኮይሻ ዑደት ከምዝገበረ ብምስሊ ዝተደገፈ ዜና ኣቕሪበን ነይረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ንሰሙናት እንተዘይተረኣየ'ኳ ኣብ ማእሕበራዊ መራኸብታቱ ግን ዝተፈላለዩ መልእኽቲታት ክጽሕፍ ጸኒሑ'ዩ።