እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕብረት ኣውሮጳ ኣንፃር ተቓዋሚ ውድብ ዩጋንዳ ዝተፈፀመ ግህሰት ክፃረ ጠሊቡ
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ድሕሪ እቲ የጋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየደቶ መረፃ፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታትን ነጠፍቲ ሲቪላዊ ማሕበራትን ዝበፅሕ ዘሎ ምግፋዕ፡ ከምዘሻቐሎ ገሊፁ።
ካብ 1986 ኣቆፃፅራ ኣውጳውያን ጀሚሩ፡ ኣብ መንበረ ስልጣን ዘሎ ዩዌሪ ሙሰቨኒ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ንሻድሻይ እብረ ተዓዊቱ'ሎ።
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ናይ ፀጥታ መሓውራቱ ክቆፀፀር፤ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ዓመፃት ከፃርይን ነዞም ግህሰታት ዝፈፀሙ ተሓተቲ ክገብርን ፀዊዑ።
መረፃ ዩጋንዳ፡ ንሕፁያት ተቓወምቲ ውድባት ብምግፋዕ፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምዕፋንን፡ ብደረጃ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምድስካልን፡ ኣበር ዝነበሮ እዩ ነይሩ።
ወዲ 38 ዓመት ሕፁይ ተቓዋሚ ሮበርት ክያጉላንዪ (ቦቢ ዋይን)፡ ኣብ ውፅኢት እቲ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ምውጣጥ ብምጅማሩ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ገዛ ተኣሲሩ ይርከብ።
ሚኒስትራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ኤንተርነት ብምድስካሉ፡ ጋዜጠኛታት ስርሖም ከይሰርሑ፣ ተዓዘብትን ኣፈፀመቲ መረፃን ድማ፡ ነቲ መረፃ ከይቆፃፀሩ ከምዝተኾለፉ ገሊፁ።
ካብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመፅኡ ተዓዘብቲ’ውን፡ ምስቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝወፅአ ኣፈናዊ ፀብፃብ፡ ተመሳሳሊ ሻቕሎት ከምዘለዎም ኣፍሊጦም።
በየነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃመ(ኢጋድ)ን ሕብረት ኣፍሪቃን ግና፡ መረፃ ዩጋንዳ ሰላማዊ ከምዝነበረ እዮም ገሊፆም።