ኮቪድ-19፡ ህንዲ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ወፍሪ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክትጅምር’ያ

በሙምባይ የሚገኙ ዶክተሮች ከመከተባቸው በፊት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, በሙምባይ የሚገኙ ዶክተሮች ከመከተባቸው በፊት
Published

ህንዲ 1.3 ሚልዮን ህዝባ ካብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእላ ኣብ ዓለም እቲ ዝሰፍሐ ወፍሪ ክታበት ከምእትጅምር ኣፍሊጣ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩን ፍቓድ ዝረኸቡን ኮቪድ ሺልድን ኮቫክሲንን ዝተብሃሉ ክታበታት ናብ ምሉእ ሃገር ከምዝተባጽሑ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ክታበት ፈለማ ንሰብ ሞያ ጥዕናን ምስ ኮሮናቫይረስ ተዛሚዱ ንዝሰርሑ ሰባት ዝወሃብ ኮይኑ በቲ ቫይረስ ብቐሊሉ ንዝቃልዑ ክፋል ሕብረተሰብ እውን ከምዝወሃብ ተሓቢሩ።

ህንዲ ካብ ሃገረ ኣመሪካ ቀጺላ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘመዝገበት ሃገር እያ።

10 ሚልዮን ሰብ ሞያ ሕኽምና ተጠቐምቲ ክታበት ከምዝኾኑን ቀጺሉ ድማ ኣባላት ፖሊስ፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሰራሕተኛታት ቤት ማዘጋጃን ኣቐዲሞም ነቲ ክታበት ክረኽቡ ምዃኖምን ተገሊጹ።

ካብዚ ብምቕጻል ዕድምኦም ልዕሊ 50 ዝኾኑን ንኻልኦት ሕማማት ዝተቓልዑ ትሕቲ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ተጠቐምቲ እቲ ወፍሪ ክታበት ክኾኑ እዮም ተባሂሉ። ኣስታት 900 ሚልዮን ዜጋታት መዝጊቡ ዝሓዘ ናይታ ሃገር ናይ መረጽቲ ሰነድ ንክታበት ብቑዓት ዝኾኑ ተኸተብቲ ኣብ ምፍላይ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

መንግስቲ ህንዲ ክሳብ መፈለምታ ወርሒ ነሓሰ ን300 ሚልዮን ዜጋታት ክኸትብ ትልሚ ከምዘለዎ ይገልጽ። እቲ ወፍሪ ክታበት ኣብ ማእኸላት ጥዕና፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኮሌጃትን ናይ ህዝቢ መእከቢ ኣደራሻትን ከምዝካየድ ተሓቢሩ።

ኣብ ህንዲ ዝርከቡ ብዙሓት ሆስፒታላት ነቲ ወፍሪ ክታበት ንምክያድ ምድላዋቶም ዛዚሞም ይርከቡ። በዓል መዚ ተቖጻጻሪ ኣፋውስ ህንዲ ዛጊድ ኮቪድሺልድን ኮቫክሲንን ንዝተብሃሉ ክታበታት ኣፍልጦ ሂቡ።

እንተኾነ ግን ኣብ ውጽኢታውነት ኮቫክሲን ስግኣታት ተፈጢሮም ኣለዉ። ምኽንያቱ ድማ ናይ ሳልሳይ ደረጃ ሙከራ ግዚኡ እንከይተዛዘመ ኣቐዲሙ ስለዝመጽአ እዩ።

እቲ ተቖጻጻሪ በዓል መዝን ነቲ ክታበት ዘፍሪ ትካልን ግን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ከምዝኾነን ውጽኢታውነቱ ከኣ ኣብ ወርሒ ለካቲት ከምዝርአን ኣፍሊጦም።

የክትባት መርፌና ብልቃጥ የያዘች የህክምና ባለሙያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, የሕንድ መንግሥት እስከ ነሐሴ መጀመሪያ ድረስ 300 ሚሊዮን ሰዎችን ለመከተብ አቅዷል

ክልቲኦም ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ክታበታት ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ኣፈላላይ ክልተ ግዜ ዝወሃቡ ኮይኖም እቲ ካልአዋይ ከም መጠናኸሪ ዝወሃብ እዩ።

ክታበት ዝረኽቡ ሰባት ብኤሌክትሮኒክስ ዝተሓገዘ ክትትል ከምዝግበረሎምን ኣቐዲሞም ዝኽተቡ 8 ሚልዮን ሰባት ከምዝተመዝገቡን ተፈሊጡ’ሎ። ክታበት ዝህቡ 600 ሽሕ ሰባት ድማ ስልጠና ተዋሂብዎም።

እቶም ብኽልተ ዙርያ ዝወሃቡ ክታበታት ኣብ ሰናይ ፍቓድ እቶም ተኸተብቲ ከምዝውሃቡን ተኸተብቲ ክልተ ግዜ ምስተኸተቡ “ክቱባት” ዝብል ናይ ምስክር ወረቐት ከምዝወሃቦምን ተፈሊጡ።

ኣብ ህንዲ ፍሉጥ ናይ ክታበት በዓል ሞያ ዶ/ር ጋጋንዴፒ “ወፍሪ ክታበት ኮሮሮናቫይረስ ህንዲ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝሓሸ መገዲ ክጻፈፍ ትጽቢት ኣለኒ” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ደልሂ ኣብ ዝርከብ ናይ ኮሮናቫይረስ ሕሙማት መሕብሐቢ ሆስፒታል ዝሰርሕ ዶ/ር ፋራ ሑሴን ሎሚ መዓልቲ ቀዳም ኣቐዲሞም ካብ ዝኽተቡ ሰብ ሞያ ሕክምና ሓደ እዩ።

“ኣብ ስራሕ እናወዓልካ ጥዕና ስድራኻ ንምውሓስ ዝነበረ ፈተነ ነዊሕን ዋጋ ዘኽፍልን ጉዕዞ’ዩ ነይሩ። ወለደይን እናሓጎታተይን ደቀይ ብምሕብሓብ ስለዝሓገዙኒ ኣነ’ውን ካብ ደቀይ ተፈልየ እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ከይሓልፍ ጻዕሪ ክገብር ነይሩኒ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“እቲ ክታበት ብሰንኪ ናይ ስራሐይ ባህሪ ስድራይ ተቓላዓቲ ንኸይኾኑ ንምክልኻል ቀዳማይ ስጉምቲ ከምዝኸውን ተስፋ እገብር” ዝበለ ዶ/ር ፋራ ሑሴን እቲ ክታበት ኣብ ማእገሩ ዘሎ ከቢድ ሸኽሚ ከራግፈሉ ብተስፋ ይጽበ።