ፕረዚደንት ትራምፕ ብምኽንያት’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ናዕቢ ክሲ ተመስሪትዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ 'ካፒቶል' ብዘጋጠመ ናዕቢ ክሲ ተመስሪትዎ።
ኣብቲ መስርሕ ክሲ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ምስ ደሞክራት ብምውጋኖም 232 ብ 197 ድምጺ እዩ እቲ ውሳነ ሓሊፉ።
በዚ ድማ ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብባይቶ እታ ሃገር ክልተ ግዜ ክሲ ዝተመስረተሉ ናይ ፈለማ ፕረዚደንት ኮይኑ'ሎ።
ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝኾነ ትራምፕ፡ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ማለት ሰኔት ንመርመራ ዝቐርብ ኮይኑ፡ ገበነኛ ምስ ኮይኑ ምስ ዝርከብ፡ ካብቲ መዝነት ክእገድ እዩ።
እቲ ላዕለዋይ ባይቶ ኣብ ሒደት መዓልትታት ስለ ዘይጋባእ ግና ትራምፕ፡ ዘመን ስልጣኑ ቅድሚ ምብቅዑ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፡ ካብ ስልጣኑ ናይ ምእላይ ተኽእሎ ሒደት እዩ።
ትራምፕ 20 ጥሪ መዝነቱ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተዓወተ ኣባል ደሞክራት ጆ ባይደን ከረክብ እዩ።
እቲ ብኣባላት ደሞክራት ዝዕብለል ባይቶ ኣመሪካ ብረቡዕ ነቲ ውሳነ ንምሕላፍ ኣብ ዝተጋብኣሉ፡ ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ኣባላት 'ናሽናል ጋርድ' ኣብ ሓለዋ እቲ ህንጻ ተዋፊሮም ኣለው።
ኤፍቢኣይ፡ ጆ ባይደን ፕረዚደንታዊ ቃለ-መሓላ ቅድሚ ምፍጻሙ ኣብ ዘለው መዓልትታት፡ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ'ሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ውሳነ እቲ ባይቶ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ወላ'ኳ ብዛዕባ እቲ ክሲ እንተዘይተዛረበ፡ ደገፍቱ ግን ብህድኣት ክጸንሑ ተማሕጺኑ።
"ናዕብን ምዕናው ንብረትን ኣብ ሃገርና ስፍራ የብሉን. . . ናይ ሓቂ ደጋፊ ናተይ ኣብ ፖለቲካዊ ናዕቢ ክሳተፍ ኣይኽእልን" ኢሉ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝቐረበ ክሲ እንታይ እዩ?
እቲ ብባይቶ ዝሓልፍ ናይ ምኽሳስ ውሳነ (impeachment) ገበናዊ ዘይኮነ ፖለቲካዊ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ነቲ ብ6 ጥሪ ኣብ ህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ 'ካፒቶል' ዝተፈጸመ ወራር ከም ዘለዓዓሎ እቲ ባይቶ: ማለት ኮንግረስ ይኸስስ።
ደገፍቱ "ብሰላማውን ሓርበኛውን" መገዲ ድምጾም ከም ዝስማዕ ክገብሩ ዝጸውዐ ትራምፕ፡ ኣንጻር እቲ "ምጥፍፋእ ነይርዎ" ዝበሎም ውጽኢት ምርጫ ግና ብዘለዎም ዓቕሚ ክቃለሱ ሓቢርዎም።
ድሕሪ ጻውዒት ትራምፕ፡ ደገፍቱ ናብ ህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ 'ካፒቶል' ደፊኦም ብምእታው ነቶም ኣብ መስርሕ ምጽዳቕ ውጽኢት ምርጫ ዝነበሩ ኣባላት ባይቶ ከቋርጹን ኣብ ካልእ ስፍራ ከዕቅቡን ኣገዲዶምዎም። ኣብቲ ጎንጺ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ሓሊፉ።
እቲ ክሲ፡ ትራምፕ "ብተደጋጋሚ ብዘይ ጭብጢ፡ እቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ምጥፍፋእ ከም ዝነበሮን፡ ቅቡል ክኸውን ከም ዘይኽእልን ዝሕብር መግለጺታት" ምዝርግሑ ይነግር።
ወሲኹ'ውን ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ጭፍራ ኮነ ኢሉ ከም ዘተባብዐን ኣብ 'ካፒቶል' ህይወት ናይ ሰባት ዘጥፍአ ጥሕሰት ሕጊ ከም ዘስዓበን ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን: 139 ኣባላት ሪፓብሊካን ኣብ ምርጫ 2020 ንስዕረት ትራምፕ ከም ዘይቕበሉ ኣብ ዝሃብዎ ድምጺ ኣፍሊጦም እዮም።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
