'ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበተይ ክንክን ኣይተገበረለይን’ ዝበለት ጸላም ዶክተር ብኮቪድ-19 ሞይታ

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK
ኣብ ኣመሪካ ከተማ ኢንዲያናፖሊስ፡ ሓንቲ ጸላም ኣመሪካዊት ዶክተር ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞተት ኮይና፡ እዛ ሓኪም ብምኽንያት ሕብሪ ቆርበታ ዶኳትር እኹል ክንክን ከምዘይገበሩላ ክትከስስ ዝጸንሐት እያ።
እዛ ሓኪም፡ ስማ ሱዛን ሙር እያ ትበሃል።
ኣብ’ቲ እትሕከመሉ ዝነበረት ኢንዲያና ዩንቨርስቲ ሆስፒታል ኮይና ኣብ ዝዘርገሓቶ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ክንክን ንምርካብ ንሓካይም ትልምን ምንባራ እያ ገሊጻ።
እቲ ሆስፒታል ድሕሪ ሕልፈታ፡ ከምዝሓዘነ ገሊጹ’ሎ። እቲ ዩንቨርሲቲ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ክርእዮ ምዃኑ’ውን ኣፍሊጡ።
መጽናዕትታት ከምዝብልዎ፡ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ልዕሊ ጸዓዱ ዝያዳ ብኮሮናቫይረስ ናይ ምሟት ዕድሎም ዝሰፍሐ እዩ።
እታ ጓል 52 ዓመት ዶክተር ሱዛን፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ካልእ ሆስፒታል እንከላ እያ ህይወታ ሓሊፉ።
ነቲ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበታ ክንክን ከምዝሰኣነት ዝገልጽ መልእኽቲ ድማ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ እያ ኣብ ብፌስቡካ ዘርጊሓቶ ነይራ።
ዋላ’ውን እናበኸየትን ምስትንፋስ እናኣበያን እንከሎ፡ ጻዕዳ ሓኪማ ግን ንሕማማ የናእሶ ምንባሩ እያ ኣብ’ቲ ቪድዮ ሓቢራ።
“ንኣተነፋፍሳ ሳንቡአይ ኣይሰምዐን፣ ክትንክፈኒ ፍቓደኛ ኣይነበረን፣ ዝኾነ ኣካላዊ መርመራ ኣይገበረለይን። እንታይ ይስመዓኒ ከምዘሎ ንስኻ ክትነግረኒ ኣይትኽእልን ኢለዮ ነይረ” ትብል።
እቲ ሆስፒታል ብወገኑ ዓሌት መሰረት ብምግባር ንሰባት ክንክን ምኽላእ ከምዘየፍቅድ ብምግላጽ፡ ኣብ’ቲ ዝቐረበሉ ክሲ ምጽራይ ከምዝገብር ኣብ ወግዓዊ ገጹ ኣፍሊጡ’ሎ።
ወለዳን ወዲ 19 ዓመት ውላዳን ካብ’ቲ ናይ ዩንቨርሲቲ ሆስፒታል ወጺኣ ናብ ካልእ ሆስፒታል ክትቅይር እኳ እንተገበርዋ ክትድሕን ግን ኣይከኣለትን።
ንስድራኣ ወጻእታት ንምሽፋን ብ ‘ጎፈንድሚ” ብዝተጀመረ ተበግሶ፡ ዛጊድ 102 ሽሕ ዶላር ክእከብ ክኢሉ።
ዶክተር ሱዛን ብኮቪድ-19 ምስተታሕዘት፡ ሓያል ረስንን ጸገም ምስትንፋስን ኣጋጢሙዋ ነይሩ።
“ጻዕዳ እንተዝኸውን ነይረ እዚ ኹሉ [በደል] ኣይምበጽሓንን ነይሩ” ክትብል ኣብ’ቲ ብቪድዮ ዝዘርገሓቶ መልእኽቲ ተዛሪባ ነይራ።
ሞት ናይ’ዛ ሓኪም፡ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ግቡእ ክንክን ሕክምና ከምዘይግበረሎም ዘርእይ እዩ ዝብሉ ብዙሓት ሰባት ናይ ተቓውሞ ድምጽታቶም የስምዕ ኣለዉ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
