እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ኢትዮጵያን ትግራይን፡ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ክሊ ኣየር ሰሜን ኢትዮጵያ ከምዝተኸፍተ ሲቪል ኣቬሽን ኣፍሊጡ
ብሰንከ'ቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ወታሃደራዊ ግጭት፡ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ሰሜናዊ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንበረራታት ውሽጢ ዓድን ወጻኢን ከምዝተኸፍተ ብዓልመዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
"ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ክሊ ኣየር ካብ ሰኑይ 14 ታሕሳስ፡ ካብ ሰዓት 2 ናይ ቀትሪ ጀሚሩ" ከምዝተኸፍተ፡ ዋና ዳይረክተር ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ኮለነል ወሰንየለህ ሁነኛው ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ስጉምቲ፡ ነፈርቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ ክዓልባ፡ ከምኡ'ውን ዓለምለኻውያን ነፈርቲ'ውን በቲ ክሊ ኣየር ክሓልፋ ዝገብር ምዃኑ እቲ ብዓልስልጣን ገሊጹ።
ብሰንኪ ምዕጻው እቲ ክሊ ኣየር፡ ነፈርቲ ተዃሊለን ክበራ ተገዲደን ምጽንሐን'ውን ጠቒሱ።
እቲ ክሊ ኣየር ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር'ዩ ንዝኾነ በረራታት ብወግዒ ተዓጽዩ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ድማ፡ መዓርፎታት ነፈርቲ ክልል ትግራይ ከምዝተዓጽወ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝቐጸሉ መዓልታትን ሳምንታትን ድማ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ክልል ደብዳባት ከካይድ ጸኒሑ።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ባህርዳርን ጎንደርን ተደጋጋሚ ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ ኣካይዶም።
ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ስርሒታቱ ከምዝወደአ'ኳ እንተ ተገለጸ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሓሓሊፉ ውግኣት ይካየድ ከምዘሎ ይግለጽ።