ኮሮናቫይረስ፡ ኣባላት ዋይት ሃውስ ካብቶም ቀዳሞት ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝውሃቦም ክኾኑ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዋይት ሃውስ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብቶም ቀዲሞም ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝወስዱ ክኾኑ ከምዝኾኑ ተገሊጹ።
ኣመሪካ ነቲ ብፋይዝ ባዮኤንተክ ዝፈረየ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ መዓላ ክውዕል ብምፍቃድ ናብ ኩለን ክፍለ ግዝኣታት ከተከፋፍል ጀሚራ ምህላዋ ገሊጻ ኣላ።
ኣመሪካ ካብ ሎሚ ጀሚራ እቲ ክታበት ኣብ ህዝባዊ መዓላ ከምእተውዕሎን ክሳብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት 100 ሚልዮን ካብ ዜጋታት ክትከትብ ውጥን ኣውጺኣ ኣላ።
እቲ ክታበት ኣቐዲሙ ካብ ዝውሃቦም፡ ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ሰብ ሞያ ሕክምናን ኣብ ምእላይ ኣረጋውያን ዝሰርሑ ውልቐ ሰባት ኮይኖም ሰበ ሰልጣን ኣመሪካ’ውን ካብቶም ኣቐዲሞም ነዚ ክታበት ክውሃቦም ኣብ ዝብል ዝርዝር ከምዝርከቡ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣቓሊሐን።
ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን ከምዝሓበሮ፡ ንሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስ ኣቐዲምካ እቲ ክታበት ክውሃቦም ዝተመረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት ስራሕ መንግስቲ ብዘይዕንቕፋት ንኽከናወን ተሓሲቡ ዝተገበረ ምኳኑ ገሊጹ።
ኣመሪካ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ክታበት፡ 3 ሚልዮን ዜጋታት ንኽትከትብ፡ ነቲ ክታበት ናብ ኩለን ክፍለ ግዝኣት ብኾታ ተከፋፍለ ኣላ።
ነቲ ምክፍፋል ክታበት ዝመርሕ ዘሎ ጀነራል ጉስታፍ ፔርና ሎሚ ሰኑይ እቲ ክታበት ናብ 145 ነቑጣታት ከምዝኸፋፋል ኣፍሊጡ ኣሎ።
ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን እውን እቲ ክታባት ናብ 491 ነቑጣታት ከምዝከፋፈል እቲ ጀነራል ሓቢሩ።
ብፋይዝ ባዩኤንተክ ዝማዕበለ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ውጽኢት 95 ሚእታዊት ኮሮናቫይረስ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎ ተረጋጺኡ ኣሎ።
እዚ ክታበት እዚ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ክወሃብ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ካናዳ፡ ባሕረይንን ስዑድ ዓረብን’ውን ነቲ ክታበት ኣብ ኢደን ኣእትየነኦ ዘለዋ ሃገራት እየን።
እታ ብመጠነ ሞትን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስን ብኸቢድ ተሃስያ ካብ ኩለን ሃገራት ቀዳመይቲ ኮይና ዘላ ኣመሪካ፡ ብቐዳም ጥራይ 3309 ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞይቶማ።
ብመሰረት ካብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ልዕሊ 16.2 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ኣስታት 300000 ሰባት ኸኣ ሞይቶም ኣለዉ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
