ሰፊሕ ክፋል ኣውስትራልያ ብብርቱዕ ንፋስን ማዕበልን ይናወጽ ኣሎ

ኣውስትራልያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራልያ 1000 ኪሎ ሜተር ዝርገሐ ዘለዎ ብርቱዕ ንፋስ ብምጅማሩ፡ ኣብ ከተማታት ብሪስባን፡ ጎልድን ኮስትን ካልኦት ከተማታትን ብርቱዕ ማዕበል ይርኣ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ብርዕ ንፋስ ልዕሊ 2000 መንበሪ ኣባይቲ ብዘይ ኤለትሪክ ክተርፍ እንከሎ፡ ብሰንኪ እቲ ንፋስ ኣዝዩ ብርቱዕ ማዕበል ከምዝተለዓለ ኣብ ገለ ቦታታት ክሳብ 8 ሚትሮ ብራኸ ዘለዎ ማዕበል ከምዝረኣየን ይግለጽ።

ካብ ሰንበት ክሳብ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ፡ 700 ጻውዒት ርድኡና ከምዝመጽኦ’ውን ቤት ጽሕፈት ህይወት ኣድሕን ኣውስተራልያ ይገልጽ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ብምስዓብ፡ ክሳብ ሕጂ ብማይ ተኸቢቦም ዝነበሩ ኣስታት ሽዱሽተ ዝኾኑ ሰባት ከምዘድሓነ ሓቢሩ።

ክኢላታት ትምበያ ኩነታት ኣየር ኣውስትራልያ፡ ብሰንኪ ኣቐዲሙ ትራእዩ ዝነበረ ላ ኒና ዝተሰመየ ኩነታት ኣየር ብርቱዕ ዝናብን ህቦብላን ክስዕብ ከምዝኽእል ከጠንቕቁ ጸኒሖም’ዮም።

እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ብርቱዕ ንፋስ ኣብ ኵንስላንድ ንዝርከባ ሳንሻይን ኮስትን ጎልድ ኮስትን ከምኡ’ውን ኣብ ኒ ሳውዝ ዌልስ ዝርከብ ብይሮን በይ ኣጥቒዑ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ንፋስ ዘስዓቦ ብርቱዕ ማዕበል፡ ኣብ ገማግም ዝርከብ መዘናግዒ ማእከላትን መሐንበስን ካብ ሎሚ ሰኑይ ተዓጽዩ ኣሎ።

ማእከል ትምበያ ኩነታት ኣየር ኣውስትራልያ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ እቲ ኩነታት ኣየር ንብዙሕ ከባቢታት ኣውስትራልያ ከጥቕዕ ከምዝኽእል ገሊጹ ኣሎ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ኣብ ኣውስትራልያ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝኾነ ገምገም ባሕሪ ብይሮን በይ ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ማዕበል ኣዝዩ ከምዝተባሕጎገ ብምግላጽ ኣብ ገለ ከባቦታት ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ክሳብ 400 ሚሊ ሜተር ዝበጽሕ ዓቐን ዝናብ ከምዝተመዝገበ ኣቓሊሐን።

ማእከል ትምበያ ኩነታት ኣየር ኣውስትራልያ ብሰገኑ “እዚ ሕጂ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ ሰሉስ ወይ ሮቡዕ ካብዚ ዘለዎ ናህሪ ክጎድል እዩ” ኢሉ ኣሎ።