ጥርዓናት መረጻ ክመርሕ ዝጸንሐ ጠበቓ ትራምፕ ብኮቪድ 19 ተለኺፉ

ጠበቓ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ውልቃዊ ጠበቓ ሕጊ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሩዲ ጉሊያኒ ብኮሮናቫይረስ ተለኪፉ ኣብ ሕክምና ኣትዩ ሕክምናዉ ናብዩት ይግበረሉ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ እቲ ፕረዚደንት፡ “የቕልለልካ ሩዲ፡ ኣጆኻ ገና ክንቕጽል ኢና” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ።

ጉልያኒ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ዛጊድ መርትዖ ዘይተረኽቦም ብርክት ዝበሉ ጥርዓናት ውጽኢት መረጻ፡ ናብ ሕጊ ዘቕርብ ጉጅለ ዝመርሕ ዝነበረ በዓል ሞያ ሕጊ እዩ።

ንሱ፡ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዘ ነቲ ፕረዚደንት ዝቐረበ ሰብ እዩ ተባሂሉ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኮነ መሳርሕቱ፡ ኣብ ልዕሊ ኮቪድ-19 ዝወስድዎ ልሕሉሕ ኣተሓሕዛ ክንቀፍ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ’ውን ፡ ኣብ እዋን ጎስጎስ መረጻ፡ ብኮቪድ 19 ሓሚሙ ምንባሩ ዝዘከር

እዩ።

ወዲ 76 ዓመት ሚስተር ጉልያኒ ድማ፡ ናብ ሜድስታር ዝተብሃለ ሆስፒታል ኣትዩ ሓገዝ ይግበረሉ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ ዘሎ።

ከንቲባ ኒውዮርክ ነበር፡ ኣብ ትዊተሩ፡ ሰናይ መልእኽቲ ንዝጽሓፉ ብምምስጋን፡ ጉልያኒ ይሕሾ ከምዘሎ ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝሰርሕ ወዱ ኣንድሪው፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ዝነበረ ኾይኑ፡ ኣብኡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ጽሒፉ ኣሎ።

ሚስተር ጉያኒ በቲ ቫይረስ መዓስ ከምዝተለኽፈን፡ እንታይ ዓይነት ምልክታት ከምዘርእየን ዛጊት ዝተሓበረ ነገር የለን።

ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ልዕሊ 14.6 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ኮይኖም፡ ልዕሊ 280 ሽሕ ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም። እዚ ኸኣ ንኣመሪካ ብብዝሒ መልከፍትን ሞትን ካብ ኩለን ሃገራት ዓለም ኣብ ቅድሚት ይሰርዓ።

ትራምፕ፡ ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ዝወስዶም ትሑት ጥንቃቐታትን ዝሕትልናን፡ ኣዝዩ ዝንቀፍ ኮይኑ፡ ኣብ 3 ሕዳር፡ ፕረዚደንታዊ መረጻ ካብ ዝካየድ ጀሚሩ እዚ ጠበቕኡ ምስኡ ናብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ክንቀሳቐስ ተራእዩ እዩ።

ንሱ ድማ፡ ልክዕ ከም’ቲ ፕረዚደንት፡ ንኮቪድ 19 ዝንዕቕ ሰብ ኮይኑ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ናይ ድገፍ ሰላማዊ ሰልፍታትን ዝኾነ መሸፈኒ ኣፍ ኣፍንጫን ኣይጥቀምን ነይሩ።

ካልኦት፡ ኣማኻሪኡ ሓዊሱ፡ መቕርብ ናይቲ ፕረዚደንት’ደን በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ።