እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ኣመሓዳሪ ጆርጅያ ውጽኢት መረጻ ንምቕያር ክሕግዞ ጸቕጢ ይፈጥረሉ ኣሎ
ትራምፕ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ውጽኢት መረጻ ደጊሙ ክቑጸር ዝገበረ ኾይኑ፡ ዛጊድ ለውጢ ኣይረኸበሉን።
እቶም ኣብ ልዕሊ ተመራጺ-ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዘቕርቦም ጥርዓናት ዛጊድ ሓደ’ኳ መርተዖ ኣይተረኸቦምን።
እንተኾነ፡ ሕዚ’ውን፡ ኣባል ኣመራርሓ ሪፐብሊካን ኣመሓዳሪ ዓባይ ግዝኣት ጆርጅያ፡ ብረያን ኬምፖ፡ ኣብታ ግዝኣት ነቲ ዝተመረጸ-ፕረዚደንት ዝሰዓረሉ ውጽኢት ክቕይር ሓገዙ እናሓተተ ይርከብ።
እቲ ኣመሓዳሪ ናይታ ግዝኣት ኣባላት ባይቶ ንህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕን ድምጽታት ክቑጸርን ደጋጊሙ ብትዊተሩ ሓቲትዎ ኣሎ።
እቲ ኣመሓዳሪ ግን ከምኡ ናይ ምግባር ስልጣን ከምዘይብሉ ገሊጹ- ገጽ ከሊእዎ ኣሎ።
እዚ ጸቕጢ ኣብታ ግዝኣት ንሰኔት ንኻልኣይ ጊዜ ንዝካየድ መረጻ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ምስተረኽበ ድማ ትራም ደጊሙ ከምኡ ክብል ተዛሪቡ ኣሎ።
ኣብቲ ሃገራዊ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ‘ኣታሊሎምና ‘ምበር ኣይተስዓርኩን’ እናበለ ንደገፍቱ ከለዓዕል ተራእዩ'ዩ ትራምፕ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ዛጊድ ናይ ጆ ባይደን ምዕዋት ኣይተውሓጠሉን፤ እንተኾነ ዘቕርቦም ዘሎ ቅርታታት ሕጋዊ መርትዖ ስለዘይተረኸቦም ዳርጋ ኹሎም ክበሃል ይከኣል፤ ውድቂ እናኾኑ እዮም።
ስለምንታይ ጆርጅያ ተዛራርብ ኣላ?
ኣብዚ መረጻ ብፍላይ ጆርጅያ፡ ከቢድ ንሕንሕ ዝተገበረላ ግዝኣት ከምዝኾነት እዩ ዝንገር።
ጆ ባይደን ብቑሩብ ኣፈላላይ እዩ ኣብዚ ግዝኣት ተዓዊቱ። እዚ ድማ ድሕሪ 1992 ዲሞክራት ኣብታ ግዝኣት ክዕወቱ ንፈለማ እዋን እዩ።
እቲ ዓወት ብጸቢብ ኣፈላላይ’ውን እንተኾነ'ኳ፡ ጆ ባይደን ሓፈሻዊ ዓወት ንክረክብ ዓብዪ እጃም ዘለዋ ውጽኢት እዩ ተባሂሉ።
ሕዚ እቲ ዓብዪ ትኹረት ኣብ’ቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሰኔት እዩ ዘሎ። ዛጊድ ኣብዚ ሪፐብሊካን ጸብለልታ ከምዘለዎም እዩ ዝዝረብ።
ኣብዚ ግዝኣት ዲሞክራትስ እንተስዒሮም ግን፡ ሪፐብሊካንስ ኣብ ልዕሊ እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዝነበሮም ጸብለልታ ከብቅዕ እዩ።
ኣብቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ዛጊድ ብዘሎ ውጸኢት ጆ ባይደን፡ በቲ ናይ ኣመሪካ ስርዓት መረጻ -'ኢልክቶራል ኮሌጅ'- መሰረት ብ306 እንትመርሕ፡ ትራምፕ ብወገኑ 232 ሒዙ ተሳዒሩ ኣሎ።
እቶም ተመረጽቲ ወኪላት፡ ነቲ ውጽኢት ዕላዊ ክገብርዎ 14 ታሕሳስ ክራኸቡ ትጽቢት ይግበረሎም።