ኣብ ከቢድ ስግኣት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት መዓስከር ዓዲ-ሓሩሽ "ርድኡና" ይብሉ

Published

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ-ሓሩሽ ተዓቚቦም ዝጸንሑ፡ ሓዲግ ዝተረፉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብስእነት መግብን ዝስተ ማይን ይሳቐዩ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኩሎም እቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነበረ መግቢ ከምዝተወድአን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ክልል ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ሰራሕተኛታቱ ከምዘውጽአን፡ ድሃይ ናይቶም ስደተኛታት ከምዘይብሉን ብሰሉስ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ዓቕሎም ዝጸበቦም ገለ ካብቶም ስደተኛታት ካብ መዓስከር ዓዲ-ሓሩሽ 'እግሮም ናብ ዝመርሐም' ይወጹ ከምዘለዉ፡ ሓንቲ ኣብቲ መዓስከር እትርከብ ኣደ ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪባ።

ኣብቲ መዓስከር ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ማእከል ጥዕና ክሳብ ሕጂ ተዓጽዩ ብምህላዉ'ውን ዝሓመሙ ከቢድ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ከምዘሎን ሓቢራ።

"ሰብ ከፊኡዎ እዩ ዘሎ፡ ጥምየት ኣሎ፡ ጽምኢ'ሎ" ድሕሪ ምባል፡ እታ ንድሕነታ ሽማ ዝዓቀብናዮ ስደተኛ፡ ማይ ከምጽኡ ናብ ሩባ ክወርዱ ከም ዝተገደዱን፡ ሓደገኛ ምዃኑን ትገልጽ።

"በጃኹም በጃኹም ርድኡና፡ ንሕና ኩልና ሓደ ስለዝኾና ንመን ኢኻ'ሞ ሃበኒ ክትብሎ፡ ገለ ግበሩ" ብምባል ህጹጽ ሓገዝ ክግበረሎም ለሚና።

ብዘይካ'ዚ፡ መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት እናመጽኡ ይዘምትዎምን የሰራጥይዎምን ከምዘለዉን፡ ኣብ ከቢድ ፍርሒ ከምዝርከቡን ገሊጻ።

ወታሃደራዊ ግጭት ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ሰራሕተኛታት ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ይኹን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብቲ መዓስከር ኣቐዲሞም ከምዝወጹን፡ ንበይኖም ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቑን ገሊጻ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ትካላት ረዲኤት፡ ነቶም ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ንምብጻሕ ውሑስ መንገዲ ክኽፈተሎም ክጽውዑ ምጽንሖም ይዝከር።

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረዲኤት ናብቶም ስደተኛታት ክበጽሕ ከምዘፍቀደን፡ ናይ ሓባር ናይ ሎጂስቲክስ ኣካል ከምዘቖመን ተዛሪቡ ነይሩ። ብዛዕባ'ዚ ግን ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ይኹን እምበር፡ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ መዓስከር ዝኣተወ ረዲኤት ከምዘየለን፡ ብዛዕብኡ ኣፍልጦ ከምዘይብሎምን እቶም ስደተኛታት ተዛሪቦም።

እታ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ካብ ኤርትራ ከም ዝወጸት ዝገለጸት ኣደ ቆልዑ ከምዝበለቶ፡ ኣብቲ መዓስከር፡ ኣስታት 15,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለዉ።

ውሕስነቶምን ጸጥታኦም ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ስደተኛታት

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ነቲ መዓስከር ዝተቖጻጸሮ ዝኾነ ሓይሊ ከምዘየለን፡ ካብኦም ርሕቕ ኢሉ ተዂሲ ከም ዝሰምዑን እቶም ስደተኛታት ሓቢሮም።

እቲ ግጭት ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብቲ መዓስከር ብዝተፈጸመ ደብዳብ ሰብ ክመውት እንከሎ፡ ዝቖሰሉ ከምዘለዉ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

"ካብ ማይ ዓይኒ ደዊሎም፡ ኣብ ከባቢኦም ውግእ ከምዘሎ ነጊሮምና" ክትብል፡ እቶም ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ኣትዮም ክህልዉ ከምዝኽእሉ ጠቒሳ።

ብሰንኪ ስእነት ጸጥታ'ውን ቀሲኖም ክሓድሩ ከምዘይክእሉን ብምግላጽ፡ ነቲ ሃጓፍ ጸጥታ ብምጥቃም መንነቶም ብንጹር ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ዝምታን ምፍርራሕን የካይዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

"ሰረቕቲ በርቲዖምና፡ ለይቲ ቀሲና ክንድቅስ ኣይክኣልናን፡ ሰረቕቲ ኣትዮም ሰረቕቲ ኣትዮም ኢሉ ኩሉ ሰብ ለይቲ ይትስእ" ትበል እታ ቢቢሲ ዘዘራረባ ኤርትራዊት ስደተኛ።

"ሰለስተ ኣርባዕተ ኮይኖም ኣትዮም፡ ቴለፎንን ገንዘብን ሃቡ እናበሉ የፈራርሑና፡ ገዛ ይሰብሩ፡ ዓቕልና ጸቢቡና ንገብሮ ጠፊኡና።" እቶም ዝበለቶም ዕጡቓት "ትግርኛ ዝዛረቡ" ምዃኖም ጠቒሳ።

"ብኸምኡ ምኽንያት ከኣ እቲ ህዝቢ ይጠፍእ ኣሎ። ምስቲ ኩነታት ንጎንደር ንኣዲስ ኣበባ እናበለ ይወጽእ ኣሎ። ኣትዮም ድዮም ኣይኣተዉን ግን ንፈልጦ የለን" ኢላ።

ዝስተ ማይ ንምርካብ ናብቲ ከባቢ ዘሎ ሩባ ክወርዱ ከምዝተገደዱ ዝሓበረት እታ ኣደ፡ ናብቲ ሩባ ምኻድ ከምዝፈርሑ ገሊጻ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ገለ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ከምዝተወስዱ ዝገልጽ ጸብጻባት ከም ዝበጽሖን፡ ኣተሓሳሲብዎ ከምዘሎን ገሊጹ ነይሩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብድሕሪኡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ ትካል ዘለዎ ሓላፍነት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ "ህዝቢ ናይ ምጉሕጓሕ" ስትራተጂ ክኽተል ጸኒሑ'ዩ ክብል ከሲሱ።

ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር፡ ካብ ሃገሮም ንዝተፈናቐሉ ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ውሕስነትን ሓለዋን ከም ዝረኽቡ ዝገብር ትካል ሕቡራት ሃገራት'ዩ።