እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልዕሊ 300 ቤተ-እስራኤላውያን ካብ ኢትዮጵያ ናብ እስራኤል ግዒዞም
ልዕሊ 300 ቤተ-እስራኤላውያን ካብ ኢትዮጵያ ብነፋሪት ናብ እስራኤል ከም ዝኣተውን: ካልኦት ክስዕብዎም ምዃኖም ተፈሊጡ።
እስራኤል: ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ቤተ-እስራኤላውያን ናብ እየሩሳሌም ክትወስድ ምዃና ቃል ምስኣተወት፡ ድሕሪ ሰሙናት እዩ እዚ ዝኸውን ዘሎ።
ቅድሚ ሕጂ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ናይቲ ማሕበረኮም ብምስጢራዊ ስርሒታት ናብ እስራኤል ትወስድ ምንባራ ይዝከር።
እቲ ኣብ መንጎ ትግራይን ፌዴራል መንግስትን ዝተወለዐ ጎንጺ ናብ ጎንደር ከይዛመት'ሞ ቤተ-እስራኤላውያን ግዳይ ከይኮኑ ዝብል ስግኣት ተፈጢሩ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒሰተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁን ተቓዋሚኡ ቤኒ ጋንትዝን፡ እቶም 316 ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቤን ጉርዮን፡ እንትበጽሑ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
"ኣነን በዓልቲ ገዛይ ሳራን ኣብ ዓይንና ንብዓት ቋጺርና ተቐቢልናዮም" ኢሉ እቲ ቀዳማይ ሚንሰተር ኣብ መግለጺኡ።
ንሱ፡ ቀጺሉ፡ " ሕልምኹም ክውን ኮይኑ ክትሪኡዎ ብዙሕ ግዜ ተጸቢኹም ኢኹም። እነሆ ሎሚ መዓልቲ ተፈጺሙ" ኢሉ።
እታ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለደትን ብ1984 ናብ እሰራኤል ዝተጉዓዘትን፡ ሚኒስተር ስደተኛታት እስራአል፡ ፒኒና ታማኖ-ሻታ፡ ንመስርሕ ናይቲ ምስግጋር ከምዘተሓባበረት ተፈሊጡ።
እዚ ትማሊ ሓሙስ ዝተኻየደ ወፍሪ፡ 'ኦፕሬሽን ሮክ ኦፍ እስራኤል' ዝብል ስያመ እዩ ተዋሂብዎ።
'ፈላሻ ሙራ' ብዝብል ዝፍለጡ ቤተ-እስራኤላውያን፡ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን መወዳእታ ናብ ሃይማኖት ክርስትና ዝተቐየሩ ኣይሁዳውን እዮም ተባሂሉ ይዝንቶ።
ንሶም፡ እስራኤላዊ ሓረጎም ክሳብ ዝጻረ፤ ሽዑ ንሽዑ ዜግነት እስራኤል ዘይክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ጉዳይ ዜግነት፡ ንነዊሕ ኣዋን ኣካታዓይ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።
ኣብ መወዳእታ 2020 ንክግዕዙ መንግስቲ እስራኤል ቅድሚ 5 ዓመት ውጥን ኣውጺኡ ነይሩ።
ናብ እስራኤል ክኸዱ ዝደልዩ 16,600 ቤተ-እስራኤላውያን እንተመልከቱ'ኳ፡ ዛጊድ ተቐባልነት ዝረኸቡ 2 ሽሕ ጥራሕ እዮም።
ካልኦት 100 ቤተ-እስራኤላውያንን ጽባሕ ዓርቢ ናብ እስራኤል ከምዘምርሑን፤ 1,700 ድማ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ 2021 ከምዝኸዱ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ 1980ታት ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ናብ እስራኤል ብሓገዝ ስለላ ሞሳድ ብነፋሪት ዝገዓዙ ምንባሮም ይፍለጥ።
ኣብ እስራኤል ዝተመስረተ ንመሰል ኣባላት ናይቲ ማሕበረሰብ ዝሕለቕ 'ምትሕብባር ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ' ዝተባህለ ማሕበር ከምዝሕብሮ ቤተ-እስራኤላውያን ኣብታ ሃገር ምግላል፡ ድኽነትን ስራሕ ኣልቦነትን ከምዘጋጥሞም ይገልጽ። ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ኩነታቶም ቅሩብ ምምሕያሽ የርኢ ምህላዉ ይንገር።
ኣብ እስራኤል፡ ዝብል ትካል ኣብዝሓ - ቤተ- እስራኤላውያን፡ ኣልቦ-ስረሕን ድኻታትን ከምዝኾኑ ዝገልጽ ኮይኑ ሕዚ ሕዚ ንእሽቶ ምምሕያሽ ከምዘሎ ይዝረብ።