እስራኤል፡ 2 ሽሕ ቤተ እስራኤላውያን ክኣትዉ ፈቒዳ

Published

እስራኤል 2 ሽሕ ቤተ እስራኤላውያን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሃገራ ንምእታው ዝተትሓዘ ትልሚ ኣጽዲቓ፡፡

እቶም ናብታ ሃገር ክግዕዙ ተፈቒዱዎም ዘሎ ሰባት፡ ኣካል እቶም ናብ እስራኤል ንምኻድ ንብዙሕ ዓመታት ክጽበዩ ዝጸንሑ ኣስታት 8 ሽሕ ቤተ እስራኤላውያን እዮም፡፡

ፋላሽ ሙራ ተባሂሎም ዝጽውዑ እዞም ቤት እስራኤላውያን፡ ከም ካልኦት ኣይሁድ ብቐጥታ ዜግነት እስራኤል ክረኽቡ ስለዘይክእሉ፡ ናብ እስራኤል ናይ ምስፋር መሰሎም ኣካታዒ እዩ፡፡

ኣብ 1980ታት (ኣውሮጳ)፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ቤት እስራኤላውያን ፡ ብምስጢራዊ ስርሒት ናብ እስራኤል ተወሲዶም፡፡

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ብዙሓት ቤት እስራኤላውያን ኣብ ኢትዮጵያ ቤተሰብ ዘለዎም ኮይኑ፡ መንግስቲ እስራኤል ሓድሕድ ጉዳዮም እናተርኣየ ክኸዱ ስለዝፈቅድ ብዙሓት ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ጎንደርን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ትጽቢት ይርከቡ፡፡፡

እቶም ዛጊት ናብ እስራኤል ግዒዞም ዘለዉ ቤተ እስራኤላውያን፡ ብሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ እስራኤል ሙሉእ ብሙሉእ ኣይሁድ ምዃኖም ዕላዊ ኣፍልጦ ኣይተውሃቦምን፡፡

እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረፉ ብሓደ ጊዜ ናብ እስራኤል ይምጽኡዶ ዝብል ሓሳብ ኣብቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ቤተ እስራኤል ከይተረፈ ኣፈላላይ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ፡፡

ሚኒሰተር ስደተኛታት እስራኤል ኮይና ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሸመት ትውልደ ኢትዮጵያዊት ፕኒና ታማኖ ሻታ፡ ውሳነ እቲ ካቢኔ ከምዘሐጎሳ ብትዊተር ገሊጻ፡፡

እቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰደዱ ቤተ እስራኤላውያን ምስቶም ነባር እስራኤላውያን ምውህሃድ ከምዝኸብዶምን፡ ንስእነት ስራሕ፣ ድኽነትን ዘርኣዊ መድልዎን ከምዝቃልዑን ይዝረብ፡፡