ድሕሪ መዓልቲ ምስጋና፡ ኣብ ኣሜሪካ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክውስኽ ከምዝኽእል፡ ኣንቶኒ ፋውቺ ኣጠንቂቑ

Published

በዓል ሞያ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ፋውቺ፡ እታ ሃገር ኣብ ዝመፅእ ሰሙናት ብርቱዕ ወሰኽ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከጋጥማ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት፡ መዓልቲ ምስጋና (ታንክስጊቪንግ) ንምብዓል፡ ናብ ዓዶም ይምለሱ ኣለዉ።

ኣንቶኒ ፋውቺ፡ ነዚ መዓልቲ ኣኽቢሮም ዝምለሱ ገያሾ፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግታእ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩን፡ ርሕቐቶም ክሕልዉን'ውን ፀዊዑ ኣሎ።

ኣሜሪካ፡ ዛጊድ 13 ሚልየን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘመዝገበት ክትከውን ከላ፡ 266 ሽሕ ሰባት ድማ፡ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ሞይቶም እዮም።

ኣብታ ሃገር ኣብ ወርሒ ሕዳር ጥራሕ ኣርባዕተ ሚልየን መልከፍቲ ኮቪድ-19 ተመዝጊቡ እዩ፤ እዚ ከኣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዝነበረ ብዝሒ፡ ዕፅፊ ከምዝኾነ ይግለፅ።

እዚ ቅነ፡ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሜሪካ፡ መዓልቲ ምስጋና ንምኽባር ንዝጓዓዙ ገያሾ ብብዝሒ ዘአንግዳሉ እዋን እዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ቅንያት መዓልቲ ምስጋና፡ 26 ሚልየን ሰባት ብመዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ሓሊፎም እዮም።

ዋላ’ኳ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ሰባት መዓልቲ ምስጋና ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ከኽብርዎ እንተፀውዑ፡ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሜሪካ ግና፡ ኣብዚ ሰሙን ብገያሾ መሊአን እየን ቀንየን።

ከም ፀብፃብ ምምሕዳር ድሕነት መጓዓዝያ ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ፡ ካብ 800 ሽሕ ክሳብ ሓደ ሚልየን ተጓዓዝቲ፡ ብናቑጣታት መቆፃፀሪ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ'ታ ሃገር ሓሊፎም።

“መገሻታት ብምውሳኹ፡ እቲ ለበዳ'ውን ክውስኽ እዩ” ዝበለ ፋውቺ፡ ንመዓልቲ ምስጋና ዝጓዓዙ ገያሾ፡ እንተኽኢሎም ንዝተወሰነ ግዘ ክውሸቡ ሓቢሩ።

ኣተሓባባሪት ግብረመልሲ ኮሮናቫይረስ ዋይት ሃውስ ዶክተር ዴብራ ብርክስ’ውን፡ ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ንስክፍታ ኣንቶኒ ፋውቺ እያ ኣጠናኺራ።

በቲ ኩነታት “ኣዚና ኢና ተሻቒልና ዘለና” ትብል ዴብራ፡ ነዚ በዓል ክጽምብሉ ዝገሹ ሰባት፡ ንልዕሊ 65 ዝዕድሚኦም ሰባት ካብ ምርካብ ክቑጠቡ ድማ ተማሕፂና።