ኣብ ኣስመራ 6 ከቢድ ድምጺ ነትጒ ተሰሚዑ – ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ

ካብ ህንጻታት ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ትማሊ ምሸት 6 ጊዜ ከቢድ ድምጺ ነታጒ ከምዝተሰምዐ ንዜጋታቱ ኣብ ዝዘርግሖ መጠንቀቕታ ገሊጹ።

እቲ ኤምባሲ ትማሊ 28 ሕዳር ምሸት ሰኣት 10፡13 [ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ድምጺ ከበድቲ ኣጽዋር ሽድሽተ ጊዜ ከምዝተሰምዐ ሓቢሩ።

ኩሎም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ኣሜሪካ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘሕለፎ መጠንቅቕታ ንነብሶም ክሕልዉ ኣተሓሳሲቡ።

ካብ ስራሕ ወጻኢ ኣብ ዝኾኑሉ ጊዜ ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ከምዘይብሎም ዝገለጸ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ኣገዳሲ እንተኾይኑ ይራይ ዝሓሰብዎ መገሻ ክገብሩ ኣመልኪቱ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እውን እኹል ሓበሬታ ክህልዎም ከምዝግባእ ኣብቲ ዝዘርግሖ ሓጺር መልእኽቲ ኣስፊሩ።

ብዘይካ'ዚ እቶም ናብ ኤርትራ ክመጽኡ ዝሓስቡ ዜጋታት ኣሜሪካ መገሽኦም ከናውሑ ጻዊዑ።

መጥቃዕትታት ሮኬት ናብ ኤርትራ

ብቕድሚ ትማሊ ምሸት፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከቢድ ነትጒ ከም ዝነበረ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

ቢቢሲ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ከተማ ሓቲቱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እቲ ነትጒ ምሸት ከም ዝተሰምዐ'ኳ እንተገለጹ ኣበየናይ ኣንፈት ከም ዝዓለበ ግን ርግጸኛታት ኣይኮኑን።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢ ሰዓት 8፡24 (2፡24) ናይ ምሸት ድምጺ ከቢድ ነትጒ ከም ዝተሰምዐ ብምግላጽ፡ መበገሲኡ ድማ ካብታ ከተማ ወጻኢ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግላጹ ይዝከር።

ብተወሳኺ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ እዚ ካብ ትግራይ ዝተተኮሰ መጥቃዕቲ ሮኬት እዩ ክብል ንዲፕሎማሰኛታት ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

ሰበ ስልጣን ኤርትራ ግን ክሳብ ሕጂ ዝሃቡዎ መብርሂ የለን።

ቅድሚ ክልተ ሳምንቲ ብተመሳሳሊ ኣብታ ከተማ ከቢድ ነትጒ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ካብ ትግራይ ዝተተኮሰ ምዃኑ መንግስቲ ትግራይ ሓላፍነት ከም ዝወሰደሉ ይዝከር።

ኤርትራ ብዛዕባ እዞም ቅድም ኢሎም ዝተተኮሱ ሮኬታት ወግዓዊ መግለጺ ከይሃበት ጸኒሓ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትሪ ዜና የማነ ገብረመስቀል እቲ ተግባር ክፉእ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ኣቓልቦ እንህበሉ ጉዳይ ኣይኮነን ክብል ብትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።

ኣብቲ ንሰሙናት ዝዘለቐ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሰብ መዚ ትግራይ ብተደጋጋሚ ኤርትራ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ትድግፍ ኣላ ብዝብል ዝኸሰሱ ኮይኖም፡ ኤርትራ ግን ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ስለ ዝኾነ ኢደይ የብለይን ትብል።