ኣብ ተህራን ብዘጋጠመ ነትጒ ብውሕዱ 19 ሰባት ሞይቶም

ክሊክ

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY IMAGES

Published

ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራን፡ ኣብ ሓደ ክሊኒክ ብዘጋጠመ ነትጒ ብውሕዱ 19 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጸም።

በቲ ኣብ ሲና ኣታር ዝተባህለ ክሊኒክ ዘጋጠመ ነትጒ ብዙሓት ሰባት ክህረሙ እንከለዉ መጠን ሞት ካብዚ ተባሂልዎ ዘሎ ክውስኽ ከምዝኽእል ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

ብመንግስቲ ኢራን እትውነን መደበር ዜና ንሰብ መዚ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ነትጒ ብዝልሓዅ ጋዝ ኣጋጢሙ ክትበል ጸብጺባ።

ገለ ካብቶም ግዳያት

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY IMAGES

ኣብታ መደበር ቴሌቪዥን ዝተራኣየ ምስሊ ብርቱዕ ትኪ ንሰማያት እታ ከተማ ዓብሊኽዎ ምንባሩን፡ ኣጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ድሕሪ ሓያለ ሰዓታት ክቆጻጸርዎ ከምዝኽኣሉን የርኢ።

መብዛሕትኦም ግዳያት እቲ ባርዕ ደቂ ኣንስትዮን ምዃነን'ውን እቶም ሰብመዚ ገሊጾም።

ውሃቦ ቃል መጥፋእቲ ሓዊ ከተማ ታህራን ጃላ ማልኪ ገለ ካብቶም ግዳያት “ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ኣብቲ ክፍሊ መጥባሕቲ ገሊኦም ንመጥባሕቲ ዝጽበዩ ዝነበሩ ገሊኦም ድማ ንዓኦም ዘሰንዩ ዝነበሩ እዩም” ኢሉ።

ንሱ፡ ብምስዓብ መጥፋእቲ ሓዊ 20 ሰባት ከድሕኑ ምኽኣሎ እ ጥቂሱ።