እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትራልያ ወታሃደራታ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ኣፍሊጣ
ፍሉይ ሓይልታት ኣውስትራልያ፡ ኣብ ልዕሊ 39 ሰባት ዘይሕጋዊ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ዘርኢ ''ጭቡጥ መረዳእታ'' ከምዝተረኸበ ተገሊጹ፡፡
ምኒስተሪ ምክልኻል ኣውስትራልያ ንዘይ ስነ ምግባራዊ ተግባራት ሓይልታቱ ብዝምልከት ንኣርባዕተ ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐ ምርመራ ዕላዊ ገይሩዎ ኣሎ።
እቲ 59 ፍጻመታት ዝረኣየ መርመራ ናይ ልዕሊ 300 መሰኻኽር ዓይኒ ሰሚዑ፡፡
ሓላፊ ምክልኻል ኣወስትራልያ ጀነራል ኣንገስ ካምቤል ብገለ ወተሃደራት ዝተፈጸመ ''ዘሕፍር ተግባር'' ከምዝተቓለዐ ተዛሪቡ፡፡
በቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ካብ 2009 ክሳብ 2013፡ ኣብ ልዕሊ ''እሱራት፣ ሓረስቶት ወይ ሰላማውያን ሰባት'' ዝተፈጸመ ቅትለት 19 ወታሃደራት ብፖሊስ ክሕተቱ ከምዘለዎም እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡
ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ኣፍጋኒስታን፡ ኣውስትራልያ፡ ''ፍትሒ ንምርግጋጽ'' ውፉይቲ ምዃና ከምዘረጋገጸትላ ኣፍሊጣ ኣላ፡፡
ትሕዝቶ እቲ ምርመራ
ጸብጻብ እቲ ምርመራ 25 ወተሃደራት ኣውስትራልያ ወይ ወተሃደራት ዝነበሩ፡ ገበን ከምዝፈጸሙ ወይ ክፍጸም ከምዝተሓባበሩ የመልክት፡፡
ዝበዝሕ ክስታት ድማ ናብ ኣብ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣየር ዘተኮረ እዩ፡፡
እቶም ናይ ክሲ ቅትለታት '' ኣብ ርሱን ዓውደ ኲናት ዝተፈጸሙ ተባሂሎም ዝግለጹ'' ከምዘይኮኑ ዝዛረብ ጀነራል ካምቤል፡ እቶም ገበን ፈጺሞም ዝተባህሉ ሰባት ተደናጊሮም ጌጋ ክፍጽሙሉ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነታት ከምዘይነበሩ ተዛሪቡ፡፡
''ኣብቲ ምርመራ ዝቐረቡ ሰባት ድማ፡ ናይ ኲናት ሕግን ኣብቲ ዝፍጽምዎ ዕማም ክፍጽምዎ ዝግባእ ተግባር ብደቒቕ ዝፈልጡን እዮም'' ኢሉ፡፡
ብተወሳኺ፡ እቲ ጀነራል፡ እቶም ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ኣባላት፡ ገሊኦም ምኩራትን ጸለውትን መራሕቲ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ከምዘመልክት ኣረዲኡ።
ሓደ ሓደ ሓደሽቲ ወተሃደራት ድማ፡ ሰብ ምቕታል ንክለማመዱ፡ ንሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ኣመልኪቱ፡፡
ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ጸብጻብ ዛጊድ ዕላዊ ኣይተገበረን፡፡
ግብረ መልሲ ኣወስትራልያ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሰን እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ፍሉያ ሓይልታት '' ንኣውስትራልያውያን ከቢድ ዜና'' ከምዝሓዘ ኣጠንቂቑ ነይሩ፡፡
እቲ ውጽኢት ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓይሊ ምክልኻል ዘሎ ጉድለት ከምዘርኢ ተዛሪቡ፡፡
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋኒ ድማ ስኮት ሞሪሰን ስልኪ ደዊሉ ብውጽኢት እቲ ምረመራ ዝተሰመዖ ''ዓሚቕ ሓዘን'' ከምዝገለጸ ሓቢሩ፡፡