ሩስያ፡ ፕረዚደንት ፑቲንን ቤተሰቡን ዕድሚኦም ሙሉእ ከይክሰሱ ዝገብር ሕጊ ተውጽእ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዱማ ተባሂሉ ዝፍለጥ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ ሩስያ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ቤተሰቡን ካብ መዝነቱ ምስወረደ ከይክሰሱ ዝገብር እማመ ደጊፉ፡፡
እቲ እማመ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ብዝተኻየደ ውሳነ፡ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ክግበረሎም ዝተወሰኑ እዩ፡፡
ራብዓይ እብረ ፕረዚደንትነት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ 2024 ዝውዳእ ኮይኑ፡ እቲ ዝተገበረ ምምሕያሽ ግና ንተወሳኺ ክልተ እብረ ክወዳደር ዘኽእሎ እዩ፡፡
ክልቲኦም ኣባያተ ምኽሪ ሩስያ ብደገፍቲ እቲ ፕረዝደንት ዝዕብለሉ እዮም፡፡
ነቲ ወዲ 68 ዓመት ፕረዚደንት ክትክእ ዝኽእል ዝተፈለጠ ሰብ የለን፡፡
እቲ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ነቲ ካብ 2000 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐን ብጸላውነቱ ዝፍለጥን ፕረዚደንት፡ መጻኢ ፖለቲካዊ ተሳትፎኡ ኣጥራጣሪ ገይሩዎ ኣሎ፡፡
ቀንዲ ተቓዋሚኡ ኣሌክሲ ናቫንሊ ‘‘ ስለምንታይ ፑቲን ከይክሰስ ዝገብር ሕጊ ሐዚ ክወጽእ ደልዩ? ውልቀ መለኽቲ ብድልየቶም ስልጣን ክገድፉ ይኽእሉዶ?’’ ብምባል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ፡፡
እቲ እማመ ኣብቲ በዝሒ ደገፍቲ ፑቲን ዝመርሖ ውድብ ዩናይትድ ሩስያ ዝርከቡሉ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ ፈላማይ ዙርያ ደጋፍ ዝረኸበ ኮይኑ፡ ካብ 37 ኣባላት ኮሚኒስት ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እዩ፡፡
ድሕሪ ክልተ ተወሰኽቲ ገምጋማት ታሕተዋይ ባይቶ ናብ ላዕለዋይ ባይቶ ክቐርብ ትጽቢት ዝግበረሉ እቲ እማመ ኣብ መወዳእታ ናብ ፕረዚደንት ፑቲን ቀሪቡ ክጸድቕ እዩ፡፡
እቲ እማመ ሕጊ ኮይኑ ምስጸደቐ፡ እቲ ፕረዚደንትን ቤተሰቡን ብፖሊስ ከይሕተቱ፣ ገዝኦም ከይፍተሽን ንብረቶም ከይውረሱን ዝከላኸል እዩ፡፡
ብተወሳኺ ከም ክሕደት ሃገር ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ገበናት እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ፕረዚደንትን ቤተሰቡን ኣብ ህይወት ዘበኖም ንዝፈጸምዎም ገበናት ኣይክሰሱን፡፡
ኣብዚ እዋን ብህይወት ዘሎ ፕረዚደንት ሩስያ ፈታዊ ፑቲን ዝኾነ ዲመትሪ መድቨዲቭ እንተኾን፡ መራሒ ሶቭየት ሕብረት ዝነበረ ሚካኤል ጎርባቬቭ ግና ፕረዚደንት ሩስያ ስለዘይነበረ እቲ መሰል ኣይግበኦን፡፡
ካብቶም ነቲ እማመ ዝጸሓፉ ሓደ ዝኾነ ኣባል ፓርላማ ፓቬል ከራሽኒንኮቭ፡ ዕላማ እቲ ሕጊ ነቲ ፕረዚደንት ‘‘ ንሃገርን ህዝብን ዝጠቅም ውሕስና’’ ንምሃብ ከምዝኾነ ተዛሪቡ፡፡







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
