እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደ ካብ ኣፍረይቲ እቲ ክታበት: ኣብ ዝቕጽል ሓጋይ 'ህይወት ናብ ንቡር ክምለስ እዩ' ይብል
ሓድሽ ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ መወዳእታ ናይ 2020 መጀመርታ 2021 ኣብ መዓላ ከም ዝውዕልን፡ ኣብ ዝቕጽል ሓጋይ ህይወት ናብ ንቡር ከም ዝምለስን፡ ሓደ ካብ ኣፍረይቲ እቲ ክታበት ገሊጹ።
ብዘይካ'ዚ ቁጽሪ መልከፍቲ ሃንደበታዊ ምጉዳል ከም ዘርእይ፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ባዮኤንቴክ ዝኾነ ፕሮፌሰር ዩገር ሳሂን ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘማዕብሉ ዘለው ኩባንያታት ባዮኤንቴክን ፒፊዘርን፡ ፍርያቶም 90% መልከፍቲ ኮቪድ-19 ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከም ዘለዎ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብቲ ፈተነ እቲ ክታበት 43 ሽሕ ሰባት ተሳቲፎም እዮም።
ፕሮፌሰር ሳሂን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ እቲ ክታበት ንምትሕልላፍ እቲ ለበዳ ከም ዘጉድልን፡ ኣብቶም ነቲ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት: እቲ ምልክታት ከይምዕብል ከም ይከላኸል ምዃኑን ንምርኣይ ተወሳኺ መጽናዕቲ ይጽበይ ምህላው ገሊጹ።
"በዚ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ክታበት፡ እቲ ምልባዕ ብ90% እንተዘይኮነ ብ50% ክጎድል እዩ፤ በዚ ድማ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ሃንደበታዊ ምጉዳል ከርእይ ከም ዝኽእል ክርሳዕ የብሉን ኢሉ።
እቲ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ተፈቲኑ ዘሎ ክታበት፡ ኣብ ናይ ሰለስተ ሰሙን ፍልልይ፡ ክልተሳዕ ዝወሃብ እዩ።
ኣብ መወዳእቲ ናይዚ ዓመት 10 ሚልዮን ክታበት ባዮኤንቴክ/ፒፊዘር ክትርከብ ትጽቢት እትገብር ብሪጣንያ ኣብ መእለዪ ኣረጋውያን ዝርከቡ ዓበይትን ሰራሕተኛታት እተን መእለዪን ቀዳምነት ከም ዝወሃቦም፡ ብድሕሪኡ ናብ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ልዕሊ 80 ዝዕድሚኦምን ከም ዝቕጽል ይግለጽ።
እዚ ክታበት ውጽኢታዊ ምዃኑ ብሰኑይ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ህይወት ናብ ንቡር ከምለስ ከም ዝኽእል፡ ፕሮፌሰር ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ሰር ጆን ቤል ይእምት።
"ምናልባት ከምዚ ዝበልኩ ናይ ፈለማ ሰብ ክኸውን እኽእል እየ፤ እንተኾነ ግና ተኣማሚነ ኣለኹ" ኢሉ።
ፕሮፌሰር ሳሂን ግና ዝያዳ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ይነግር።
ኩሉ ከምቲ ተወጢኑ ዘሎ ብጽቡቕ እንተኸይዱ፡ እቲ ክታበት "ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመትን መጀመርታ ናይ ዝቕጽል ዘሎ ዓመትን" ክወሃብ እዩ ኢሉ።
ክሳብ ዝቕጽል ወርሒ ሚያዝያ፡ ንመላእ ዓለም 300 ሚልዮን ክታበት ናይ ምድላው ውጥን ከም ዘሎ ዝገለጸ ፕሮፌሰር ሳሂን፡ "ሽዑ እዩ ጽልዋኡ ክረአ ዝጅምር" ይብል።
ንሱ ወሲኹ እቲ ዝዓበየ ጽልዋ ድሒሩ እዩ ክረአ ኢሉ።
"ኣብ ክረምቲ እቲ መጠን መልከፍቲ ስለዝጎድል ክሕግዘና እዩ፤ እቲ ቀንዲ ዘገድስ ድማ ቅድሚ ናይ ዝመጽእ ዓመት ሓጋይ ብዙሓት ነቲ ክታበት ከም ዝወስዱ ምግባር እዩ" ኢሉ።
ኩሉ ናይ ክታበት መደባት ቅድሚ ቀውዒ ናይ 2021 ክዛዘሙ ከም ዘድልይ ሓቢሩ።