እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ቱርከመኒስታን ንዝፈትዎ ከልቢ ገዚፍ ወርቃዊ ሓወልቲ ኣስሪሑ
መራሒ ሃገረ ቱርክመኒስታን ንዝፈትዎ ዓሌት ከልቢ ገዚፍ ወርቃዊ ሓወልቲ ኣስሪሕሉ።
ፕረዚደንት ጉርባንጉሊ በርዲሙካሜዶቭ ብሰሉስ እዩ ነቲ 6 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣሸጋባት ዝተተኽለ ሓወልቲ መሪቑ ከፊትዎ።
እቲ ኣላባይ ዝበሃል ዓሌት ከልቢ፡ ኣብ ማእከላይ ኤስያ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገራዊ ውርሻታት ቱርክመኒስታን ተመዝጊቡ ኣሎ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ሓደ መጽሓፍ ንኣላባይ ወፍዩ እዩ።
ኣብታ ዝበዝሐ ህዝባ ኣብ ድኽነት ኣብ ዝነብር ሃገር እቲ ፕረዚደንት ነቲ ውቁብ ሓወልቲ ምህናጹ ኣዘራራቢ ኮይኑ'ሎ።
እታ ሃገር ብነጻነት ፕረስ ካብ ሰሜን ኮርያ ቀጺላ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከም እትስራዕ ጸብጻብ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ኣርኤስኤፍ ይገልጽ።
እቲ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ዝተተኽለ ሓወልቲ ንምስርሑ ክንደይ ወጻኢ ከም ዝሓተተ ኣይተገለጸን።
እቲ ሓወልቲ መግለጺ "ኩርዓትን ሓበንን" ምዃኑ መንግስታዊ ማእከን ዜና ጸብጹቡ።
ፕረዚደንት በርዲሙካሜዶቭ በቲ ንኣሃል ተክ ዝበሃሉ ኣፍራስ ዘለዎ ፍቕሪ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብ 2015 እቲ ፕረደዚደንት ፈረስ እናጋለበ ዘርእይ ወርቃዊ ሓወልቲ ተሃኒጹ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት መሓዙቱ ንዝኾኑ መራሕቲ ሃገራት፡ ፈረስ ወይ ኲርኩር ከልቢ ክህብ ይርአ እዩ። ፕረዚደነት ኡዝቤክ ነበር ኢስላም ካሪሞቭ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣሚር ቀጠርን ካብ መንጎ እቶም እቲ ህያባት ዝተዋህቡ እዮም።