እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሸሞንተ ህጻናት ብምቕታል ዝተጠርጠረት ነርስ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ እያ
Published
ኣብ ሰሜን ምዕራብ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ግዝኣት ቼሻየር፡ ብቕትለት ሽሞንተ ህጻናትን ፈተነ ቅትለት ካልኦት 10 ህጻናትን ዝተኸሰሰት ነርስ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ እያ።
እታ ሉሲ ለትቢ ዝተባህለት ነርስ፡ ብምኽንያት ኣብ ሆስፒታል 'ካውንተስ ኦፍ ቸስተር' ክፍሊ ሓደሽቲ ዝተወለዱ ህጻናት ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ኣብ 2018 ን 2019 ተኣሲራ ነይራ።
ኣብ 2015ን 2016 ኣብቲ ሆስፒታል ብዝጋጠመ ሞት ህጻናትን ንሞት ቀሊል ሃንደበታዊ ምውዳቕን ድማ ተኸሲሳ ነይራ።
ዝሓለፈ ሰሉስ ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተወት ጓል 30 ዓመት ለትቢ፡ ትማሊ ረቡዕ ክሲ ዝተመስረታ ኮይኑ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ክተቀርብ እያ።
ምርመራ ፖሊስ ቸሻየር፡ ነቲ ካብ መጋቢት 2015 ክሳብ ሓምለ 2016 ኣብ ሆስፒታል ቸስተር ዘጋጠመ ሞት 17 ዕሸላትን 16 ቀሊል ሃንደበታዊ ምውዳቕን ክምርምሮ ጸኒሑ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ፖሊስ ቺሻየር ምስሞት ህጻናት ኣብ ሆስፒታል ቸስተር ብዝተሓሳሰር እታ በዓልቲ ሞያ ጥዕና ክትክሰስ ወሲኑ።
ቤተሰብ እቶም ዝሞቱ ህጻናት በቢእዋኑ ሓበሬታን ይወሃቦምን ሓገዝ ይግበረሎም ከምዝጸነሐን ፖሊስ ገሊጹ።