ፕረዚደንት ጋና ነበር ጄሪ ራውሊንግስ ኣብ 73 ዓመቱ ዓሪፉ

Published

ፕረዚደንት ጋና ነበር ጄሪ ራውሊንግስ ኣብ መበል 73 ዓመቱ ሞይቱ።

እቲ ኣብ ሓይሊ ኣየር ጋና ላዕለዋይ መኮነን ኮይኑ ብወተሃደርነት ዘገልገለ ጄሪ ራውሊንግስ፡ ክልተሻብ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዱ እዩ።

ፈላማይ ዕልዋ ኣብ 1979 ዘካየዶ ኾይኑ፡ ድሕሪ’ቲ ዕልዋ ስልጣን ንስቪላዊ መንግስቲ ኣረኪቡ እዩ።

ክሳብ 1992 ድማ፡ ናይ’ቲ ኣብ’ታ ሃገር ስልጣን ጨቢጡ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሓላፊ ብምዃን መሪሑ እዩ። ድሕሪኡ ድማ መረጻ ተኻይዱ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ንክልተ እብረ፡ ፕረዚደንት ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2001 ካብ መዝነቱ ወሪዱ።

ብዛዕባ ሞቱ ካብ’ታ ሃገር ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት ከምዝብልዎ፡ ንቑሩብ እዋን ሓሚሙ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ከተማ ኣክራ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል እዩ ሞይቱ።