እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወዲ 15 ዓመት ቆልዓ ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ምሟቱ፡ ኣቦኡ ተኣሲሩ
Published
ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓደ ወዲ 15 ዓመት ሴኔጋላዊ ቆልዓ፡ ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር እንትፍትን፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ሞይቱ።
ፖሊስ ሴኔጋል፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ዝተረፈ ወላዲ ናይ'ዚ ቆልዓ፡ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሎምዎ ኣለዉ።
ኣቦ ናይ'ቲ ቆልዓ፡ ንውላዱ ናብ ስፔን ክልእኽ፡ ንዘይሕጋውያን ኣስገርቲ 450 ዳላር ከፊሉ እዩ ተባሂሉ።
እቲ ኣብ ባሕሪ ዝሞተ ቆልዓ፡ ዱዱ ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ፈለማ ናብ ስፔን ቀፂሉ ድማ ናብ ጣልያን ክሰግርን፡ ናብ ሓደ ማእኸል መሰልጠኒ ኩዕሶ እግሪ ንክኣቱን እዩ ትልሚ ነይሩ።
እንተኾነ፤ ውላዱ ናብ ስፔን እንከይኣተወ፡ ገና ኣብ ጉዕዞ እንከሎ ብምሕማሙ፡ ኣብ ጃልባ እንከሎ ሞይቱ፤ ሬስኡ ድማ ናብ ባሕሪ ተደርብዩ።
ሞት ናይ'ቲ ቆልዓ፡ ኣብ ሴኔጋል ሓዘን ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ ግዘ፡ ካብ ሴኔጋል ተበጊሶም ባሕሪ ኣቋሪፆም ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ንምስጋር ናይ ዝፍትኑ ሴኔጋላውያን ቁፅሪ፡ ይውስኽ ምህላዉ እዩ ዝግለፅ።
ፖሊስ ናይ'ታ ሃገር፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ባሕሪ ኣቋሪፆም ክሰግሩ ዝነበሩ ልዕሊ 1500 ስደተኛታት ከምዝመለሰ ኣፍሊጡ።