ኣርሜንያ፡ ኣዛርባጃንን ሩስያን ውዕል ሰላም ከቲመን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣርሜንያ፡ ኣዛርባጃንን ሩስያን ኣብ ናጎርኖ ካራባክ ዘሎ ምስሕሓብ ደው ዘብል ስምምዕ ሰላም ከቲመን።
ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣርማንያ ኒኮለ ፓሺንያን “ንዓናን ንህዝብናን ናይ ቃንዛ እዋን እዩ ነይሩ” ኢሉ።
እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ ሞንጎ ኣዘርባጃንን ኣርመንያን ንልዕሊ ሽዱሽተ ሳምንታት ድሕሪ ዝተገበረ ኵናት እዩ ተፈጺሙ።
እቲ ዞባ ከም ኣካል ኣዛርባጃን እኳ ዓለምለኻዊ ኣፍልጢ እንተተወሃቦ ካብ 1994 ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ኣርሜንያ እዩ ክምሓደር ጸኒሑ።
ኣርሜንያን ኣዘርባጃንን ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኲናት ድሕሪ ምጅማረን ብተደጋጋሚ ግዝያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኹሲ እካ እንተገበራ ውዕል ሰላም ክኽትማ ግን እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።
ኣርሜንያን ኣዘርባጃንን ኣቐድም ኣቢሉ ብተደጋጋሚ ግዝያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኹሲ ኣካይደን ነይረን እየን ኩሉ ግን ፍረ ክርከቦ ኣይተኻኣለን።
እቲ ስምምዕ እንታይ እዩ ዝብል?
እቲ ውዕል ሰላም ካብ ሰሉስ ሰዓት ሓደ ጀሚሩ እዩ ተግባራዊ ክኸውን።
ብመሰረት እዚ ሓዲሽ ስምምዕ ኣዘርባጃን ካብቲ ድሕሪ እዚ ኵናት ዝሓዘቶ ክፋል ናጎረኖ ካራብክ ከተንሳሕብ እዩ፡ ኣርማንያ ብወገና ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት እቲ ዞባ ከተንሳሕብን ንኣዘርባጃን ከተረክባን ተሰማሚዓ ኣላ።
ኣብቲ ብተለቪዥን ብቀጥታ ዝተመሓላለፈ ውዕል ሰላም ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቲን 1,960 ሰራዊት ሩስያ ኣብቲ ዞባ ዓቓቢ ሰላም ኮይኑ ከምዝዋፈር ተዛሪቡ።
ኣብቲ ዕማም ናይ ምዕቃብ ሰላም ቱርኪ’ውን ከምትህሉን ብመሰረት እቲ ውዕል ሰላም ክልቲአን ሃገራት ምሩኳት ኵናት ክለዋወጣ፡ ዶባትን ንቁጠባዊ ምልውዋጥ ክፉት ከምዝገብረኦን ፕረዚደንት ቭላዳሚር ፑቲን ገሊጹ።
ነቲ ውዕል ዝኸተመ ፕረዚንት ኣዛርባጃን ኣሊየብ እቲ ስምምዕ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ብምግላጽ ኣርሜንያ ኣላሽ ዝበለትሉ ስምምዕ እዩ ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣርሜንያ ኒኮለ ፓሺንያን ብወገኑ እቲ ስምምዕ ብዙሕ መጽናዕቲ ዝተገበረሉን ምኳኑ ብምግላጽ “እዚ ዓወት ኣይኮነን እንተኾነ ንነብስኻ ተሳዒራ ክሳብ ዘይበልካያ ኸኣ ስዕረት ኣይኮነን” ኢሉ።
ኣብ ዞባ ናጎረኖ ካራብክ ሓላፊ እቲ ዞባ ኣርሜንያዊ ኣራይክ ሃሩትያን ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣብቲ ዞባ ቀልጢፉ ሰላም ክሰፍን ዘለዎ ሃረርታ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኣርሜንያ ዝኾነት ከተማ የረቫን ነቲ ውዕል ሰላም ዝቃወሙ ሰባት ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጾም፡ እቶም ሰልፈኛታት ዞባ ናጎረኖ ካራብክ ንኣዛርባጃን ኣሕሊፍና ኣይንህባን ኢና ብምባል ናብ ቤት ጽሕፈት ባይቶ እታ ሃገር ከምዝኣዉ’ውን እተን ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
