መንእሰያት ናይጀርያ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ሓዲሽ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካይዱ ገሊጾም

Published

መንእሰያት ናይጀርያ ኣንጻር እቲ ‘ፖሊስ ዝፍጽምዎ ግፍዕን ኢሰብኣዊ መግረፍትን’ ዝዓለመ ሎሚ ሰኑይ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ ምዃኖም ማዕከናት ዜና ናይጀርያ ኣቃሊሐን።

እዚ ሓዲሽ መደብ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይጀርያ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ነይርዎም ናይ ዝበሎም 19 ወልቀ ሰባት ኣብ ሃገራዊ ባንኪ ናይጀርያ ዝርከብ ሕሳቦም ክድስክል ትእዛዝ ድሕሪ ምትሕልላፉ ዝተወደበ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

እዞም መንእሰያት ነቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይጀርያ ዝተወሃበ ብይን ዘለዎም ተቃውሞ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን ብሰፊሕ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ብኣንጻሩ ብዙሓት ጉጅለታት፡ መንእሰያት ኣብዚ ተወጢኑ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ከይሳተፉ ጎስጓስ ይገብሩ ኣለዉ፡ ሓደ ካብቶም ኣንጻር እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ዝጉስጉሱ ዘለዉ ሙሪክ ዝተብሃለ ንመሰላት ኣመንቲ እስልምና ዝማጎት ጉጅለ እዩ።

ምምሕዳር ሌጎስ ብወገኑ ነበርቲ ሌጎስ ኣብቲ ተወጢኑ ዘሎ ሓዲሽ ሰለማዊ ሰልፊ ከይሳተፉ ወግዓዊ መተሓሳሳቢ ሂቡ ኣሎ፡ እቲ ምምሕዳር ሌጎስ፡ ነቲ ብፖሊስ ተፈጺሙ ዝብሃል ግፍዒ ዘጻሪ ጉጅለ ተመስሪቱ ስለዘሎ ነበርቲ ንውጽኢት መርምራ እዞም ጉጅለ ብዓቕሊ ክጽበዩ ተማሕጺኑ።

ፖሊስ ብወገኑ እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ፖሊስ ፍቃድ ዘይተወሃቦ ምኳኑ ብምሕባር ሰባት ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ምስታፍ ክቁጠቡ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ኣብ ዘሓለፈ ወርሒ እቲ ሳርስ ዝተብሃለ ክፋል ጸጥታ ናይታ ሃገር ክብተን ዝጠልብ ሰለማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዱ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ናብ ጎንጺ ስለዘምረሐ ጥንቂ ሞትን ምዕናዉ ንብረትን ከምዝኾነ እዩ ዝንገር።