ውግእ ኣርሜንያ፡ ኣዘርባጃን ኣብ ዞባ ናጎርኖ-ካራባክ 'ኣገዳሲት ከተማ ተቖጻጺራ'

Published

ኣዘርባጃን: ኣብታ ክትንጸል እትደልይ ዞባ ናጎርኖ-ካራባክ፡ ኣገዳሲት ከተማ ከም ዝተቆጻጸረት ፕረዚደንት እታ ሃገር ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣዘርባጃን ኢልሃም ኣልየቭ ሰንበት ብቴለቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ሰራዊቱ ንከተማ ሹሻ ከም ዝተቖጻጸሩ ተዛሪቡ።

ኣርሜንያ ግን ነቲ ሓበሬታ ብምንጻግ፡ ኲናት ይቕጽል ከም ዘሎ ገሊጻ።

ኣብቲ ኣሰሓሓቢ ኮይኑ ዘሎ ዞባ፡ ነታ ስትራተጂካዊት ከተማ ምቁጽጽራ ንኣዘርባጃን ኣገዳሲ ዓወት ከም ዝኸውን ይግለጽ።

ናጎርኖ-ካራባክ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ከም ኣካል ኣዘርባጃን ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ ኣርሜናያ ብእትሕግዞም፡ ትውልደ ኣርሜናውያን እዩ ዝመሓደር።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ኲናት በቲ ኣብ 1994 ዝተበጽሐ ግዚያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ቶክሲ እዩ ደው ኢሉ ጸኒሑ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ግና ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ብምክሳስ ዳግም ናብ ኲናት ኣትዮም።

እቲ ዘሎ ምዕባለታት እንታይ ይመስል?

ሹሻ ናብ ርእሰ ከተማ እቲ ዞባ ዝኾነት ስቴፓናከርት (ካንኬነዲ ብኣዘርባጃን) ኣብ ዘቋምት ኣኽራን እተደኮነት ኮይና ኣብቲ ምስ ግዝኣት ኣርሜርንያ ዘራኽብ መስመር ጽርጊያ እያ እትርከብ።

"ሹሻ ሓራ ምውጽኣ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኣዘርባጃን ኣገዳሲ" ምዃኑ ዝገለጸ ፕረዚደንት ኣልየቭ፡ "ኣብ ዓለም ዝኾነ ደው ከብለና ዝኽእል ሓይሊ የሎን" ብምባል፡ ዞባ ናጎርኖ-ካራባክ ናብ ሃገሩ ክመልሶ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣርሜንያ ግዜ ተባኽን ከም ዘላን፡ ነቲ ዞባ ንምምላስ ሓይሊ ክጥቀም ምዃኑን ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሳምንታት፡ ኣዘርባጃን በብቕሩብ ናብ ዞባ ናጎርኖ-ካራባክ ክትደፍእ ጸኒሓ እያ። ናጎርኖ-ካራባክ፡ ውግእ ኣርሜንያ፡ ኣዘርባጃን ኣገዳሲት ከተማ ተቖጻጺራ።