እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣርሜንያን ኣዘርባጃንን ብሞንጎኝነት ኣሜሪካ ተዂሲ ከቋርጻ ተሰማሚዐን
ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣብቲ ንክልቲኤን ዘሰሓሕብ ዘሎ ዞባ ናጎርኖ ካራባክ ብሞንጎኝነት ኣሜሪካ ኣብ ተዂሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ በጺሐን።
እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝወጽአ ሓበሬታ፡ እዘን ክልተ ሃገራት ድሕሪ ሓያል ጻዕሪ ዝሓተተ ክትዕ ናብ ስምምዕ ከምዝበጽሓን እቲ ስምምዕ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ይገልጽ።
ኣርሜንያን ኣዛርባጃንን ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ'ውን ክልተ ግዜ ቶኵሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ገይረን ነይረን እየን።
ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት 27 መስከረም እዩ ኣብቲ ጎቦታት ዝበዝሖ ዞባ ናጎርኖ ካራባክ ኵናት ተወሊዑ።
እቲ ብሰንበት ኣሜሪካ፡ ኣርሜንያን ኣዛርባጃንን ዘወጽአኦ ሓባራዊ መግለጺ ነቲ 'ሰብኣዊ ምቁራጽ ተዂሱ' ዝሰመየኦ ስምምዕ ካብ ሰኑይ ንግሆ ስዓት ሸሞንተ ብኣቆጻጽራ እቲ ዞባ ተግባራዊ ከምዝኸውን ጠቂሰን።
እቲ ስምምዕ፡ ካብ ኣሜሪካ ምክትል ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ስቴፈን በይጋን፡ ሚኒሰትር ጉዳያት ወጻኢ ኣርሜንያ ዞህራብ ምናተሳካንያን ከምኡ'ውን ምኒሰትር ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባጃን ጀይሁን ባይሮሞቭ ድሕሪ ዝገብርዎ ዘተ'ዩ ተኸቲሙ።
ብዓርቢ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኣርሜንያን ኣዘርባጃንን ምስ ማይክ ፖምፕዮ ንምዝርራብ ናብ ዋሽንግተን ከምዝገሹ ተገሊጹ ነይሩ እዩ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብሰንበት ንኽልቲአን ሃገራት ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ብትዊትር ጽሑፉ።
እዘን ሃገራት ኣቐዲመን'ውን ብሞንጎኝነት ሩስያ ክልተ ግዜ ተዂሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ከቲመን እኳ እንተነበራ፡ ፕረዚደንት ኣዘርባጃን ኢልሃም ኣሊየቭ ሩስያ ኣብ ጉዳይ እዘን ሃገራት ወተሃደራዊ ምትእትታው ከይትገብር ብምጥንቓቕ ነቲ ውዕል ጥሒስዎ።
ናጎርኖ ካራባክ ኣካል ኣዛርባጃን ምዃኑ'ዩ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ እንተኾነ ኣብ ትሕቲ ኣርሜንያ እዩ ዝርከብ።
እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብቲ ዞባ ዝጀመረ ኵናት ናብ ምሉእ ቦታታት ብምልሓም እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ንሓድሕደን ከተማታት ክድብድባን እጉድ ዝኾነ ወተሃደራዊ ቅመማትን ክጥቀማ ተራእየን እየን።
ክሳብ ሕጂ ካብ ክልቲኤን ሃገራት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።