ኤርትራ፡ ብዘይካ 70 እቶም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ደቂ ኳዜን ከምዝተፈትሑ ተሓቢሩ

Published
ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኳዜን ካብ ዝተባህለ ዓዲ ተኣሲሮም ዝተወስዱ ነበርቲ ከምዝተፈትሑ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።
ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ፡ ምስ ጎረቤት ዓዲ ብጉዳይ መሬት ዝተላዕለ ምስሕሓብ ብዝተሓሓዝ ኣስታት 340 ነበርቲ እቲ ዓዲ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ናብ ሓሽፈራይ ተወሲዶም ዝነበሩ'ዮም።
እቲ ኣብ ከባቢ ሓጋድ (ሓጋዝ) ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሓሽፈራይ፡ ብሰራዊት ዝመሓደር ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ እሱራት ዝቕየድሉ ምዃኑ ይግለጽ።
ብዘይካ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይምልከቶም'ዩ ዝተባህሉን፡ ካብ ሰራዊት "ኮብሊሎም" ነይሮም ዝተባህሉን ኣስታት 70 ድማ ኩሎም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተፈቲሖም ምህላዎም ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
እቶም ኮተቴን ዓበይትን ዝርከብዎም ደቂ-ተባዕትዮ ንልዕሊ 2 ወርሒ ኣብ ቀይዲ ምጽንሖም ተረጋጊጹ።
እቲ ኣብ መንጎ ኳዜንን ዓደንጎዳን ዘሎ ናይ መሬት ምስሕሓብ ካብ ቅድሚ ናጽነት ኣትሒዙ ዝጀመረ ኮነኑ፡ ክሳብ ሕጂ መዓልቦ ዘይረኸበ ጉዳይ ምዃኑ ገለ ነበርቲ ክልቲአን ዓድታት ይገልጹ።
እቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝወሰድዎ ብኣልማማ ናይ ምቕያድ ስጉምቲ፡ ነቲ ምስሕሓብ መሊሱ ከጋድዶ ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ሓዲርዎም ከምዘሎ ተፈሊጡ።





![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
