ዴንማርክ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ፡ 17 ሚሊዮን እንስሳ ክትቐትል’ያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
Published
ዴንማርክ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስለዘስግኣ ኣስታት 17 ሚሊዮን እንስሳ ክትቐትል እያ።
እዘን ሚንክ ዝተባህላ እንስሳ፡ ኮሮናቫይረስ ናብ ሰብ ከመሓላልፋ ይኽእላ እየን ብዝብል ስግኣት እያ ክትቐትለን ወሲና።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብርክት ዝበላ ሚንክ በቲ ቫይረስ ስለ ዝተለኸፋ ንክቕተላ ክውሰን እንከሎ፡ ወተሃደራትን ፖሊስን እዘን እንስሳ ኣብ ምቕታል ዝግበር ወፍሪ ክሳተፉ ጻውዒት ቀሪቡሎም።
ትካል ጥዕና ዓለም’ውን እዘን እንስሳ ኣብ ምውጋድ ምስ መንግስቲ ዴንማርክ ብሓባር ይሰርሕ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዴንማርክ ፍሬዴሪክሰን እቲ ካብተን እንስሳ ዝመሓላለፍ ቫይረስ ነቲ ኣብ መስርሕ ፈተነ ዘሎ ክታብት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዘለዎ እዩ ኢሉ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ዴንማርክ ልዕሊ 52 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክሓሙ እንከለው፡ 733 ሰባት ድማ ሞይቶም።
ዴንማርክ ካብዘን ሚንክ ዝብሃላ ዓሌት እንስሳ ብእትረኽቦ ጸጉሪ ካብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ድረጃ ትስራዕ ።
ኔዘርላንድስን ስፔንን’ውን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፋ ዓሌት እንስሳት ረኺበን እየን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ስፔን ብስግኣት ኮሮናቫይረስ 100 ሽሕ ሚንክ ምቕታላ ይዝከር።
ብውሑድ፡ ዓመታዊ ኣብ ቻይና፣ ዴንማርክ፣ ኔዘርላንድስን ፖላንድን ጸጉረን ንምጥቃም ብዝብል 50 ሚሊዮን ሚንክ ይራብሓ።











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
