ንሶማልያዊት ዓሚፆም ዝቐተሉ ብሞት ተፈሪዶም

Published

ኣብ ግዝኣት ፑንትላንድ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ንሓንቲ ሶማልያዊት ድሕሪ ምዕማፅ ቀቲሎም ዝበሎም ክልተ ውልቀ ሰባት፡ ብሞት ክቕፅዑ በይኑ።

ዓብዲ ፋራይን ዓብዱራሕማን ሞሓመድ ኢሳቕን ዝተብሃሉ እዞም ገበነኛታት፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ነዛ ጓል 14 ዓመት ናብ ከተማ ቦሳሶ ጨውዮም ብምውሳድ፡ ከምዝዓመፅዋ ተኣሚኖም።

ኣብ ሶማልያ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍፀሙ ተመሳሳሊ ጥቕዓታት ይውስኹ ኣለዉ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም'ውን ኣብ ሞቃድሾ ጓል 19 ዓመት ብጉጅለ ተዓሚፃ ምቕታላ ይዝከር። እታ ግዳይ ምስ ዓመፅዋ ካብ ሻድሻይ ደብሪ ስለዝደርበይዋ እያ ሞይታ።

ፖሊስ ናይዛ ግዳይን ካልኦት ብዙሓት ገበናት ፆታዊ ዓመፅን ቅትለትን ይምርምር ከምዘሎ ይግለፅ።