ካሜሮን፡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ መምሃራንን ተማሃሮን ተደጋጋሚ መጥቓዕቲ የውርዱ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ካሜሮን ኣብ እትርከብ ከተማ ሎምበ ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ዕጡቓት ሓይልታት ብምእታው ንተማሃሮን መምሃራንን እታ ቤት ትምህርቲ ከም ዘካለበትዎም ተገሊጹ።
ኣብታ ቤት ትምህርቲ ብሓላፍነት ዝሰርሕን ስሙ ክግለጽ ዘይለየን ሓደ መምህር፡ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ነቶም መምሃራንን ተማሃሮን ቅድሚ ምህራሞም ንኹሎም ክዳኖም ከውጽእዎ ከምዘገደድዎም ገሊጹ።
ብድሕሪ እዚ እቶም ዕጡቓት ንገለ ክፋል እቲ ቤት ትምህርቲ ሓዊ ኣእትየሙሉ።
እቲ ብሮቡዕ ሰዓት ሸሞንት ናይ ንግሆ ብኣቆጻጽራ ካሜሮን ዘጋጠመ ምክልባት፡ እቶም ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ ዕጡቓት ኣስታት ዕስራ ሰብ ብረት ከምዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሓይልታት ጸጥታ ካሜሮን ብቅልጡፍ እኳ ኣብቲ ቦታ እንተበጽሑ እቶም ዕጡቓት ግን ቀዲመሞም ካብቲ ቦታ ከምዝተሰወሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።
ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ካሜሮን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ብተደጋጋሚ ከጋጥመን ጸኒሑ እዩ፡ መንግስቲ ካሜሮን ብወገኑ ነዚ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ኣብቲ ዞባ ኮይኖም ናይ ምንጻል ሕቶ ዘቅርቡ ዘለዉ ዕጡቓት ሓይልታት ምኳኖም እዩ ዝኽስስ።
ቅድሚ 24 ሰዓታት ናይዚ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮን መምሃራንን ዝበጸሐ ምክልባት፡ ኣብ ኩምቦ እትብሃል ሰሜናዊ ምዕራብ ካሜሮን እትርከብ ቤት ትምህርቲ ክህነት 11 መምሃራን ተጨውዮም እዮም።
24 ጥቅምቲ’ውን ኣብ ኩምባ ኣብ እትብሃል ከተማ ካሜሮን ሸውዓተ ተምሃሮ ብዕጡቓት ምቅታሎም ይዝከር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
