ኣብ ካናዳ ሬሳ ወዲ 15 ዓመት ኤርትራዊ ኣብ ራህያ ጥሒሉ ተረኺቡ

Published

ካብ ከተማ ቶሮንቶ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ቀላይ ዝተረኸበ ሬሳ፡ ናይቲ ኣብ 24 ጥቅምቲ ካብ ገዝኡ ዝጠፈአ ወዲ 15 ዓመት ሴም ዘርእዝጊ ምዃኑ ትማሊ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ኣብ ዘውጽዞ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ብመሰረት ውጽኢት መርመራ ናይቲ ሬሳ፡ ጠንቂ ሞት ናይቲ ግዳይ ምጥሓል ከምዝኾነ ብምሕባር ፖሊስ ሳውዝ ሲምኮኦ ተወሳኺ መርመራ ይገብር ምህላዉ ገሊጹ።

ሴም ዘርእዝጊ ቀዳም 24 ጥቅምቲ 2020 ካብ ገዝኡ ከም ዝጠፈአን ሰዓት 11:30 ድሕሪ ቀትሪ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖን ብምሕባር፡ ሴም ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰዓት 7:45 ናይ ንግሆ ካብ ግዝኡ ከም ዝወጽአ ገሊጹ።

ፖሊስ ድሕሪ ምጥፋእ ሴም ዘርእዝጊ ሰሙን መመላእታ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ድልያ ከካይድ ከም ዝጸንሐ’ውን ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ኣብ ዝለጠፎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ኣቦን ሓፍትን እቲ ወዲ 15 ብሂወት እንተሎ ሃለዋቱ ከፍልጦምን ናብ ገዝኡ ክምለስን ብምጽዋዕ፡ “ነፍቅረካ ኢና” ክብሉ ተሰሚዖም።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብዚ ዝሐለፈ ቀዳመ ሰንበት ንዝኽሪ እቲ ኮተቴ መንእሰይ ሽምዓ ብምውላዕ ዝኽሪ ኣካይዶምሉ።

ሬሳ ሴም ዘርእዝጊ ብዓርቢ 30 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ሓደ ራህያ ከም ዝተረኸበ ዝሓበረ ፖሊስ ሳውስ ሱምኮኦ ውጽኢት መርመራ ቀዳም ከምዝተረከብዎ ኣብ መግልጺኦም ጠቒሶም።

ገለ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ከምዝበልዎ፡ ጃኬቱ ምውጽኡን ጫምኡ ኣብ ደንደስ ናይቲ ራህያ ምርካቡን፡ ናይ ካልእ ጠንቂ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ፖሊስ ብዕቱብ መርመራ ክቕጽል ጸዊዖም።

ብዙሓት ካልኦት’ውን ብሞት እቲ መንእሰይ ከም ዝሓዘኑ ይገልጹ ኣለዉ።

ፖሊስ ብዛዕባ ድሕረ-ባይታ ናይቲ ስድራቤት ይኹን ናይቲ መንእሰይ ሓበሬታ ኣይሃቡን።

እታ ስድራ ቤት ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ኤርትራ ተሰዲዳ ናብ ካናዳ ከም ዝኣተወት ማዕከናት ዜና ካናዳ ሓቢረን።