ኣብ ኦስትርያ ኣብ 6 ቦታታት ‘ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ’ ተኻይዱ

Police officers in Vienna. 3 Nov 2020

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ኣብ ርእሰ ከተማ ኦስትርያ ዝኾነት ከተማ ቬና ዕጡቃት ኣብ ሽዱሽተ ዝተፈላለየ ቦታታት መጥቃዕቲ ብምክያድ ክልተ ሰብ ከምዝቐተሉ 14 ከምዘቁሰሉን ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሮም።

ቻንስለር ኦስትርያ ሰበስትያን ክሩዝ “ዘፈንፍን ግብረ ሽብራዊ መጥቃዕቲ’ዩ” ድሕሪ ምባል ካብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሓደ ከምዝተቐትለ ገሊጹ።

ፖሊስ ነቶም ዝተረፉ ፈጸምቲ ሽበራዎ መጥቃዕቲ ይደልዮም ከምዘሎ’ውን ተሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቬና ጥቃ ቤት መቅደስ ኣይሁዳውያን እዩ ተፈጺሙ እንተኾነ ዕላም ናይቶም ኣሸበርቲ እሱ ድዩ ነይሩ ዝተፈለጠ ነገር የለን።

እቶም ኣሸበርቲ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሓደ ብቅጽበት ክመውት እንከሎ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ተሃሪማ ኣብ ሆስፒታል ምስ ኣተወት ህይወታ ሓሊፋ።

ከንቲባ ከተማ ቬና ሚካኤል ሉድዊግ ካልኦት 14 ሰባት’ውን ብጥይት ተሃሪሞም ኣብ ሆስፒታል ከምዘለዉ ብምሕባር ካብኦም እቶም ሽዱሽተ ብኸቢድ ዝተሃረሙ ምኳኖም ጠቒሱ።

ካብቶም ብጥይት ተሃሪሞም ዘለዉ ሓደ ፖሊስ ከምዝርከቦም’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣውስትራልያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዘተኣታተወቶ ሓዲሽ ሕጋጋት ንኽጅመር ሰዓታት ምስ ተረፎ እዩ ኣጋጢሙ።

ብዙሓት ሰባት ቅድሚ እቲ እገዳ ምትግባሩ ኣብ ባራትን ኣብያተ መግብን እናተዛናግዑ እንከለዉ እቲ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራውያን ከምዘጋጠመ ከንቲባ ከተማ ቬና ሚካኤል ሉድዊግ ገሊጹ።

ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ነቂ መጥቃዕቲ ኮኒነሞ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብርጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ “በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣዝየ ሰንቢደን ጉህየን ኣለኹ” ብምባል ነቲ መጥቃቲ ኮኒንዎ።

ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ እንታይ ዝተፈለጠ ነገር ኣሎ?

ፖሊስ ከተማ ቬና እቲ መጥቃዕቲ ሰኑይ ሰዓት 8 ናይ ናይ ምሽት ብኣቆጻጽራ ኦስትርያ ኣብ ጥቃ ቤት መቅደስ ኣይሁዳውያን ብረት ዝዓጠቁ ሰባት ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ባራትን ኣብያተ መስተን ዝዘናግዑ ዝነበሩ ሰባት ኣድራጋ ጠያይት ከምዝኸፈቱ ገሊጾም።

ኣባላት ፈሉይ ሓይልታት እታ ሃገር ኣብቲ ቦታ ቀልጢፎም በጺሖም፡ ኣብቲ ናይ ቶክሲ ምልቅዋጥ ሓደ ፖሊስ ብጥይት ክህረም እንከሎ፡ ካልእ ፖሊስ ንሓደ ካብቶም ዘመናዊ ጠበንጃ፡ ሽጉጥን ጎዞሞን ሒዙ ዝነበረ ኣሸባሪ ቶኵሱ ቀቲልዎ።

ሓደ ካብቶም ኣሸበርቲ ከምዝማረኸ’ውን ገለ ገለ ማዕከናት ዜና ኣውስትራልያ ሓቢረን።

ክሪስ ዛሆ ሓደ ካበቶም ጥቃ እቲ መትቃዕቲ ዝተጸፈመሉ ኣብያተ መግቢ ዝነበረ ናይ ዓይኒ ምስክር ኮይኑ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃላ “መጀመርታ ብርቱዕ ድምጺ ሰሚዕና፡ ርችት መሲልና እተ ድምጺ ግን 20 ክሳብ 30 ግዜ ሰሚዕናዩ ድሕረ እዚ እዩ ጥይት ምኳኑ ክንርዳእ ክኢልና፡ኣምቡላንስ ላዕልን ታሕትን ክብላ ጀሚረን፡ ግዳይት ናብ ሆስፒታል ይወስድዎም ነይሮም፡ ኣብ ጥቃና’ውን ሬሳ ናይ ዝሞተ ሰብ ነይሩ” ኢሉ።

ፖሊስ ጎሮቤት ሃገር ኦስትርያ ዝኾነት ሃገረ ቸክ ሪፓብሊክ’ውን ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ከቢድ ተፍትሽ የካይዱ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ብሰንኪ እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ሎሚ ኣብ መላእ ኦስትርያ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ኣለዋ።