ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ልደቱ ኣያሌው ሕክምና ክረክብ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ

ምንጪ ስእሊ, THE REPORTER
ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ልደቱ ኣያሌው፡ ሕክምና ክረክብ ከምዘለዎ ሎሚ ሰኑይ ቤት ፍርዲ ስለዝኣዘዘ፡ ጽባሕ ሕክምና ክረክብ ምዃኑ ፕረዚደንት ሰልፊ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ (ኢዴፓ) ኣዳነ ታደሰ ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ሓሚሙ ስለዘሎ ሕክምና ንኽረክብ፡ ቤት ፍርዲ ንፖሊስ ይኣዝዘልና” ዝብል ሕቶ ከምዘቕረቡን፡ በዚ መሰረት ድማ እቲ ቤት ፍርዲ ሕክምና ክረክብ ከምዝኣዘዘን ኣቶ ኣዳነ ተዛሪቡ።
ብዛዕባ ጥዕና ናይ’ቲ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ፖለቲከኛ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ ድማ “ካብ ካልእ ግዜ ብዝተፈለየ፡ ብርትዕ ዝበለ ሕማም ኣጋጢሙዎ ኣሎ” ኢሉ።
ቅድሚ ሕዚ፡ “ንሰብ ከሻቕል ስለዘይደሊ” ኣይተ ልደቱ ብዛዕባ ሕማሙ ዘይዛረብ ምንባሩ ዝገለጸ ኣዳነ ታደሰ “ኣብዚ ሳልስቲ ዝረኣናዮ ግን፡ ብቕሉዕ ይሓምም ከምዘሎን ንህይወቱ እናሰግአ ከምዝድቅስን እዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ቅድም ክብል፡ ንሕክምና ናብ ወጻኢ ከይዱ ምንባሩን፡ መጥባሕቲ ተገይሩሉ ናይ ሽድሽተ ወርሒ ቆጸራ ተዋሂብዎ ከምዝነበረን’ውን ሓቢሩ።
ብመሰረት ቆጸራኡ ክኸደሉ ኣብ ዝነበሮ እዋን፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ድማ ኣዘኻኺሩ።
ኣባል ሰልፊ ኢዴፓ ዝኾነ ስሙይ ተቓዋሚ ልደቱ ኣያሌው፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኾይኑ፡ ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ክፍታሕ ብተደጋጋሚ ፈቒዱሉ እኳ እንተነበረ፡ ፖሊስ ግን ንትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዕሽሽ ብምባል ኣብ ቀይዲ ኣጽኒሕዎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
