ኣውስትራልያ፡ ግዝኣት ስኵንስላንድ ምስ ሲድኒን ቪክቶርያን ዘራኽባ ዶባት ከይክፈት ተወሲኑ

ኣውስትራልያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ዞባዊት ሚኒሰትር ግዝኣት ኵንስላንድ ናይ ኣውስትራልያ ኮይና ዝተመረጸት ኣናስታሽያ ፓላስዘክዙክ፡ እታ ዞባ ምስ ክልተ ዓበይቲ ከተማታት ኣውስትራልያ ዘራኽባ ዶባት ከምትዓጽዎ ኣብ ጽባሕ ምምራጻ ኣዊጃ።

ነበርቲ ዞባ ኵንስላንድ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ዞባታት ግሬተር ሲድኒን ቪክቶርያን ብዓቢኡ ድማ ምስ ርእሰ ከተማ ሜልቦርን ዘራኽቦም ዶባት ብምልኡ ተዓጽዩዎም ኣሎ።

ኣናስታሽያ ፓላስዘክዙክ፡ እቲ ሕጂ ተኣዊጁ ዘሎ ኣዋጅ ንግዚኡ ንሰብ ጸላዕላዕ ከምዘብሎ ብምሕባር እወንታዊ ውጽኢቱ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ክረአ ምኳኑ ገሊጻ።

ኣናስታሽያ ፓላስዘክዙክ ብቀዳም እያ ንሳልሳይ ግዜ ዞባዊት ሚኒስተር ኮይና ተመሪጻ።

ኣናስታሽያ ፓላስዘክዙክ ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ንሰለስተ እብረ ዞባዊት ሚኒስተር ኮይና ዝተመረጸት ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ዞባ ኵንስላንድ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ዞባ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዘራኽቦ ዶባ’ውን ዕጹው እዩ ዘሎ።

እዚ ሓዲሽ ኣዋጅ ናይ ኣናስታሽያ ፓላስዘክዙክ ምስቲ ቁጠባ ናይ ኣውስትራልያ ንምብርባር ካብን ናብን ዞባታት ምንቅስቃስ ክእገድ የብሉን ዝብል እምነት ዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሶን ምስሕሓብ ፈጢርላ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሶን ነቲ ናቱ ፖሊሲ ክኽተል መወዳድርቲ ኣናስታሽያ ፓላስዘክዙክ ዝነበረ ደብ ፍራንክሊንግቶን ንኽምረጽ እዩ ክጉስጉስ ጸኒሑ።

ኣናስታሽያ ፓላስዘክዙክ ንሳልሳይ እብረ ዞባዊት ሚኒስተር ኮይና ምስ ተመረጸት ኣብ ዘስምዓቶ መደረ “ኣንጻርና ብዙሕ ጎስጓስ እዩ ክካየድ ጸኒሑ፡ ኣብ መትከልና ደው ሳላ ዝበልና ግን ክንዕወት ክኢልና፡ ነዚ ለበዳ ንምምካት ማዕዳ ክኢላታት ጥራይ ኢና ክንሰምዕ ዘለና” ብምባል ኣብ ዞባ ኵንስላንድ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ደው ንኽብል ካብን ናብን ዞባታት ዝግበር ምንቅስቃስ ደው ክብል ዘለዋ ጽኑዕ እምነት ገሊጻ።

ዞባ ኵንስላነድ ልዕሊ 5 ሚልዮን ነበርቲ ዘለውዋ ኮይና ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅመር 1200 መልከፍቲ ከተመዝግብ እንከላ ኣብቲ ዞባ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሽዱሽተ ሰባት ጥራይ እዮም ሞይቶም ዘለዉ።

ኣውስትራልያ ብቀዳም ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሓዲሽ መልከፍቲ ዘይተራኣየላ መዓልቲ ኮይና ተመዝጊባ ኣላ።