መጠንቀቕታ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ሕክምና ኣብ 'ዋይት ሃውስ' ቁጠዐ ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዋይት ሃውስ፡ ንኣመሪካዊ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክቶር ኣንቶኒ ፋውቺ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠየቅ፡ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣብ ዝተቓረበሉ ‘ፖሎቲካዊ ጸወታ ተጻዊቱ’ ብምባል ከሲስዎ።
ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ምስ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ኣብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘለዎም ኣተሓሕዛ እዩ ገምጋሙ ሂቡ።
ሃገረ ኣመሪካ ብብዝሒ መልከፍትን ብዝሒ ሞትን ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ዘላ ሃገር እያ።
ብመሰረት ካብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ኣመሪካ መጠነ ሞት ልዕሊ 230,000 ክበጽሕ እንከሎ ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዩን ሰባት ድማ በቲ ሕማም ተለኺፎም ኣለዉ።
ኣብቲ ብቀዳም ዝተሓተመ ቃለ መሕተት ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ “ኩሉ መስርዓት ኣገባብ ኣመኻኽታ ኮሮናቫይረስ ፋሕ ኢሉ እዩ ዘሎ፡ ምስዚ ዝመጽእ ቆራሪ ወቅቲ ኩሉ ሰብ ኣብ ገዛ ዑጉግ ኢሉ ኮፍ ስለዝበለ ድማ እቲ ምልኽኻፍ ዝያዳ ክብእስ ይኽእል እዩ” ብምባል ኣጠንቂቑ።
ንዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ክልቲኦም ተወዳደርቲ (ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን) ኣብ ኣተሓሕዛ ኮሮናቫይረስ ዘለዎም ፖሊሲ ከብርህ ኣብ ዝተሓተተሉ “ጆ ባይደን ነዚ ለበዳ ቀዳምነት ብኩርናዕ ህዝባዊ ጥዕና እዩ ዝርእዩ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ብኣንጻሩ ብቐዳምነት ብቁጠባን ዳግማይ ምኽፋት ቁጠባዊ መሓውርን እዩ ዝጥምቶ” ኢሉ።
ዶክተር ፋውቺ ኣመሪካ ኣብ ኣተሓሕዛ ህዝባዊ ጥዕናን ኣገባብ ምቁጽጻሩን ‘ቅጽበታዊ ልውጢ’ ከምዘድልያ ሓቢሩ።
ድሕሪ ቃለ መሕተት ዶክተር ፋውቺ ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ምሕታሙ ዋይት ሃውስ ቃለ መሕተት ዶክተር ፋውቺ ጆ ባይድን ንኽምረጽ ባይታ ዘጣጥሕ እዩ ብምባል ተሪር መግለጺ ኣውጺኡ።
ውሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ጁድ ዲር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ርእይቶ ናይ ፋውቺ ዘይቅብሉን ንኹሉ ቅጥዕታት ዝሰበረን እዩ” ኢሉ።
እቲ ውሃቢ ቃል ብምስዓብ “ዶክተር ፋውቺ ከም ኣባል ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስምዕታ እንተሃልይዎ ክገልጽን ጌጋ እንተነይሩ ከኣ ስትራተጂ ክቅየርን ኣብ ግዚኡ ድምጹ ከስምዕ ይኽእል ነይሩ’ዩ ነዚ ግን ኣይገበሮን፡ ብኣንጻሩ እቲ ጌጋ ናይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣምሲሉ ንጆ ባይዳን ንኽምረጽ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ፖሎቲካዊ ጸወታ ክጻወት እዩ መሪጹ” ብምባል መግለጺ ሂቡ።
ኣብዚ ሰሉስ ዝጅምር ወግዓዊ ፕረዚደንታዊ መረጻ እቲ ቀንዲ ማእከል መወዳደሪ ባእታ ናይዞም ክልተ ተወዳደርቲ ዝኽተልዎ እስትራተጂ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ምዃኑ ብኣግኡ እዩ ተገሚቱ ዘሎ።
እንተተመሪጹ፡ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል “ሳይንስ ይምራሓና” ዝብል ፖሊሲ ከምዝኽተል ዝገልጽ ጆ ባይደን ነቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝኽተሎ እስትራተጂ ጌጋ ምኳኑ ብምጥቃስ ‘ነቶም ግዳያት ጸርፊ’ዩ’ ምባሉ ይዝከር።
ጆ ባይደን “እንተተመሪጸ ነዚ ለበዳ ደው ንምባል ኣበርቲዐ ክሰርሕ እዩ፡ ጽባሕ እቲ ዝተመረጽክሉ ብቅጽብት ስራሕ ከምንጅምር ድማ ከረጋግጸልኩም ይፈቱ” ኢሉ ነይሩ።
ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ ኣብ ኣሪዞና ኣብ ዝገበሮ ጓስጓስ ምረጹኒ፡ ጆ ባይደን እንተተመሩጹ ኣብ ምሉእ ሃገር ዕጽዋ ከምዝእውጅን ከም ውጽኢቱ ኣሜሪካ ንቁጠባዊ ሕንፍሽፍሽ ከምእተምርሕ ብምግላጽ ንጆ ባይደን ከይመርጽዎ ምዒዱ።
ትራምፕ ብምስዓብ “ንጆ ባይድን እንድሕር መሪጽኩም፡ ተማሃሮ ናብ ትምህርቲ ኣይክኸዱን እዮም፡ መመረቅታ ተማሃሮ የለን፡ መርዓ የለን፡ መዓልቲ ምስጋና የለን ኩሉ ክተዓጻጾ’ዩ” ኢሉ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
