ስጳኛ፡ ኣፈጸምቲ ቀብሪ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ኣካይዶም

ስጳኛ

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ኣብ ስጳኛ ብሰንኪ ኮሮናቫይርስ ዝስዕብ ዘሎ ሞት ብምውሳኹ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዝሰርሑ ገናዞ ሬሳን ቀባሮን፡ ሰራሕተኛታት ይወሰኹና ብምባል ናይ ስራሕ ደው ምባል ኣድማ ኣካይዶም።

ማሕበር ቀባሮ ስጳኛ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናይ ወርሒ መጋቢት ኣጋጢሙ ዝነበረ ምድንጓይ ናይ ቀብሪ ንኸየጋጥም ብምስጋእ ጠለባት ከምዘቕረቡ እዮም ዝሕብሩ።

መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮጳ ብኻልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይርስ ይጥቅዓ ምህላወንን ኣብታ ኣህጉር መጠን ሞት'ውን ብተመሳሳሊ ይውስኽ ምህላው'ዩ ዝሕበር።

ዝበዝሓ ሃገራት እታ ኣህጉር'ውን ነቲ ብናህሪ ዝውስኽ ዘሎ ለበዳ ንምግታእ ከም ሰዓታት እቶእቶን ዕጽዋን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ስጉምታት ኣብ ምውሳድ ይርከባ።

እቶም ኣብ ምግናዝ ሬሳን መካነ መቓብርን ዝሰርሑ ስጳኛውያን ብሰንበት ኣብ ዝገበርዎ ናይ ስራሕ ደው ምባል ኣድማ፡ ኣብ መላእ ስጳኛ ዝርከቡ ኣባላት እቲ ማሕበር ከምዝተሳተፍዎን፡ እቲ መዓልቲ ኣዝማድ መወትቲ ሑቋፍ ዕምባባ ሒዞም ናብ መቃብር ምብጻሕ ኣብ ዘካይድሉ ልሙድ መዓልቲ 'ሰይንት ደይ' ክኸውን ከምዝተመረጸን ይግለጽ።

ሓደ ኣብ ከተማ ማድሪድ ስነስርዓት ቀብሪ ዘፈጽም ትካል ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ብዝሒ ሞት ጽፉፍን ስሉጥን ስነስርዓት ቀብሪ ንኽካየድ ኣብታ ትካሎም ካብ 15 ክሳብ 20 ሰባት ክውሰኽዎም ከምዘለዎም ሓቢሩ።

ብዓርቢ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ስጳኛ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ሞት ናይ 239 ሰባት ከምዝተመዝገበ ምሕባሩ ይዝከር።

ኣብ ስጳኛ ኣብ ወርሒ መጋቢት ብዝነበረ ብዝሒ ሞት፡ ሬሳታት ከይተቐበረ ክሳብ ሓደ ሰሙን ይጸንሕ ምንባሩ እዩ ዝሕበር።

ብመሰረት ካብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ዝተረኸብ ሓበሬታ፡ ኣብ ስጳኛ ኮሮናቫይርስ ካብ ዝጀመረሉ 1.1 ሚልዮን ሰባት በቲ ሕማም ክልከፉ እንከለዉ፡ ሞት ልዕሊ 35,800 ከኣ ተመዝጊቡ'ሎ።