እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ካናዳ፡ ክልተ ሰባት ብኻራ ተቐቲሎም
Published
ኣብ ካናዳ ከተማ ኩቤክ ብዝተፈጸመ ናይ ካራ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ሰባት እንትቕተሉ ሓሙሽተ ድማ ከምዝቖሰሉ ፖሊስ ገሊጹ።
እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ታሪኻዊ 'ፓርሊያመንት ሂል' ዝበሃል ነባር ናይ ኩቤክ ኣካባቢ እዩ ኣጓኒፉ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ትማሊ ቀዳም ምሸት እዩ ኣጋጢሙ።
"ናይ ቀደም ኣከዳድና" ዝተኸድነ ዝተብሃለ ሰብ፡ እናጎየየ ንዝረኸቦ ሰብ የጥቅዕ ዝነበረ ኾይኑ፡ ክሳብ ኣብ ቀይዲ ዝውዕል ሰባት ካብ ገዘኦም ከይወጽኡ ተነጊርዎም ነይሩ።
እቲ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣጥቂዑ ተባሂሉ። እቲ ሰብ፡ ብግምት ወዲ ዒስራታት ይኸውን ተባሂሉ።
እንተኾነ፤ ምርመራ ክሳብ ዝውዳእ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ገዘኦም ከይወጽኡ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ።
እቲ ወዲ ምስተታሕዘ፡ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል እዩ ተወሲዱ።
እቲ ሰብ ነቲ መጥቃዕቲ ንምንታይ ክፍጽም ከምዝኸኣለ ዛጊድ ዝተብሃለ የለን።