'ኣብ መንጎ ቀሺ በላይን፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያን ዝነበረ ምስሕሓብ ብዕርቂ ተወዲኡ'

'ኣብ መንጎ ቀሺ በላይን፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያን ዝነበረ ምስሕሓብ ብዕርቂ ተወዲኡ'

ምንጪ ስእሊ, BBC/SERGEI FADEICHEV

Published

'ቤት ጽሕፈት ቤተ ክህነት ኦሮሚያ' ንምቛም ክሰርሑ ዝጸንሑ ቀሺ በላይ መኮነንን ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ምስሕሓብ እዮም ጸኒሖም።

ሕዚ ግን፡ እዚ ምስሕሓብ ኣብቂዑ፡ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ዕርቂ መስርሕ ከምዝተዛዘመ፡ ኣሸማገልቲ ገሊጾም።

ነዚ መስርሕ ዕርቂ ክመርሑ ዝጸንሑ ሽማግለታት፡ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “እቲ ዕርቂ ተፈጺሙ’ሎ” ኢሎም።

እቲ መግለጺ፡ ኣብ ኦሮሚያ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ብምድኻሙ ዘሕሰቦም ‘ወገናት’ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ኢሎም ‘ቤት ጽሕፈት ቤተ ክህነት ኦሮሚያ' ንምቛም ከምዝተበገሱ ብምጥቃስ “እቲ ዝተብሃለ ጸገም ከምዘሎ፡ ኣቦታት፡ ሊቃውንትን ኣመንትን እኳ ዝኣምንሉ እንተኾነ፡ ፍታሕ ክኸውን ዘለዎ ግን ምቛም ቤተክህነት ኦሮሚያ ድዩ? ዝብል ኣብ መንጎ ኣቦታትን ኣመንትን ክፍፍል ፈጢሩ እዩ” ይብል።

ንዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ድማ፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ምይይጣት ክካየድ ከምዝጸንሐ ጠቒሱ።

“ነቲ ኣብ ኦሮሚያ ዘጋጠመ ምድኻም ኣገልግሎት ንምፍታሕ፡ ኣብ ትሕቲ ቤተክህነት [ኢትዮጵያ] ሓደ ጥንኩር ኣካል ምቛም ዝሓሸ ከምዝኾነ ብኹሎም ወገናት ተኣሚንሉ እዩ” ድማ ይብል እቲ መግለጺ።

እቲ ዘጋጠመ ምድኻም ኣገልግሎት ድማ፡ ሓፈሻዊ ብድሆ ናይ’ታ ቤተክርስትያን ተገይሩ ከምዝውሰድ ብምግላጽ “ብመሰረት ውሳነ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብቋንቋ ኦሮሞ ዝወሃብ ኣገልግሎት ኣበርቲዑ ንኽኸይድ፡ ኩሎም ደቂ ናይ’ታ ቤተክርስትያን ብሓድነት ንክሰርሑ ሓደራ ንብል” ኢሎም እቶም ሽማግለታት።

ሓሳብ ቀሺ በላይ እንታይ እዩ?

'ቤት ጽሕፈት ቤተ ክህነት ኦሮሚያ' ንምቛም ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ቀሺ በላይ መኮነን፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኮይኑ፡ ግን ድማ ብደረጃ ክልል ኦሮሚያ 'ቤት ጽሕፈት ቤተክህነት' ክቐውም ድልየት ከምዘለዎም እዮም ገሊጾም።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "እቲ ሕቶ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሲኖዶስን ሓደ ፓትርያርክን ምምራሕ ከምዘሎ ኾይኑ፡ ናይ ዶግማን ቀኖናን ለውጢ ከይተገበረ፡ ናይ ምሕደራ ጸገም ዝፈትሕ መሓውር ንክህሉ ጥራይ እዩ" ምባሎም ይዝከር።

እታ ቤተክርስትያን "ብዝተፈላለየ ቋንቋ ናብ ዝተፈላለየ ሕብረተሰብ" ተበጻሕነት ክህልዋ ከምዝግባእ ዝገልጹ ቀሺ በላይ፡ ነዚ ንምግባር ድማ መሓውር ወሳኒ ከምዝኾነ ይገልጹ ነይሮም።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ "[ንኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን] ከም ጓና ናይ ምርኣይ ዝንባለ" ከምዘሎ ዝገልጹ እቶም ቀሺ፡ ነዚ ንምፍታሕ፡ ንቋንቋ ኦሮምኛ ኣድህቦ ዝህብ ክልላዊ ቤት ጽሕፈት ቤተክህነት ምቛም ኣድላዪ እዩ ዝብል ቅዋም ነይርዎም።

ቅዋም ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶኸ እንታይ ነይሩ?

ላዕለዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ንምንቅስቓስ እዚ ኮሚቴን ቀሺ በላይን ብጽቡቕ ኣይተቐበሎን።

ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ መስከረም 2019፡ ንሕቶ ኮሚቴ ምቛም ቤተክህነት ኦሮሚያ ከም ዘውገዘ፡ ፓትሪያርክ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣፍሊጦም ነይሮም።

ኣብ’ቲ እዋን፡ እቶም ፓትሪያርክ፡ "እዚ ሕቶ ዘቕረበ ጉጅለ ካብ ግብሩ ክእርነብ ሲኖዶስ ብጥብቂ የተሓሳስብ" ምባሎም’ውን ይዝከር።

ንሕቶ ቀሺ በላይ መኮነን ድማ "ሃገርን ቤተክርስቲያንን ዝኸፋፍል'ዩ" ክብሉ ኣውጊዞምዎ ነይሮም።