እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ፈረንሳይ “ብሽበራዊ መጥቃዕቲ” ሰለስተ ሰባት ብካራ ተቒተሎም
ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ ኒስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ቤተክርስትያን፡ ሰለስተ ሰባት ብካራ ተቐቲሎም።
ከንቲባ ናይ’ታ ከተማ ክርስችን ኤስቶርሲ፡ ነቲ ክስተት “ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ” ክብል ገሊጽዎ’'ሎ።
ናብ’ቲ ቤተክርስትያን ንጸሎት ዝመጽኣ ሓንቲ በዓልቲ ጸጋ ዕድመ “ብካራ ተሰይፈን” ኢሉ ፖሊስ። ነዚ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝተብሃለ ሰብ፡ ብጥይት ቆሲሉ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ’ውን ተገሊጹ።
እቶም ክልተ ሰባት፡ ሓንቲ ዓባይ ሰበይትን፡ ካልእ ክሳዱ ተሓሪዱ ዝተረኸበ ወድን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተክርስትያን እዮም ተቐቲሎም።
ካልእቲ ሰበይቲ ድማ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታ ብካራ እኳ እንተተወግአት፡ ሃዲማ ናብ ሓደ እንዳሻሂ ክትኣቱ ክኢላ ነይራ። እንተኾነ፡ ኣይደሓነትን ጸኒሓ ሞይታ።
ኣብ ጉዳያት ግብረ-ሽበራ ዝሰርሕ ኣኽባሪ ሕጊ ፈረንሳይ፡ ብገበን ቅትለት ምርመራ ዝጀመረ ኾይኑ፡ እታ ሃገር ተወሰኽቲ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕትታት ከይፍጸምዋ ብልዑል ንቕሓት ክትከታተል ጀሚራ’ላ።
ከንቲባ ናይ’ታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ከተማ ከምዝበሎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ፡ ደጋጊሙ “ኣላሁ ዋኣክበር” ይብል ነይሩ።
ነቲ መጥቃዕቲ፡ ምስ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ፓሪስ ዘጋጠመ መቕተልቲ መምህር ሳሙኤል ፓቲ ድማ ኣመሳሲሉዎ።
መበገሲ ናይ’ዚ መጥቃዕቲ እንታይ ከምዝኾነ፡ ፖሊስ ኣይገለጸን። እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ስእሊ ነብይ መሓመድ ብመልክዕ ካርቱን ምስኣሉ ከምዝድግፍ ድሕሪ ምግላጹ፡ ብዙሓት ሙስሊም ኣብ ዝነብሩለን ሃገራት፡ ኣንጻር ፈረንሳይ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክካየድ እዩ ቀንዩ።
ኣብ ገለ ሃገራት ድማ፡ ፍርያት ፈረንሳይ ንምሕሳም ጻዊዒት ቀሪቡ እዩ።