ትግራይ፡ ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም ኣብ መኸተ ኣንበጣ ይሕግዝ ኣሎ

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገበ
Published

ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ምስ ኣተወ ኣብ ዞባታት ደቡብ ምብራቕ፣ ምብራቕን ማእኸላይ ክፋል ትግራይን ብምእታው ሃሰያ ኣውሪዱ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ ድማ ናብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ስለ ዝኣተወ: ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ከም ዘሎ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠር ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ገለ ኸባብታት ደቡብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ጉድኣት ከም ዝብጸሐ ይዝረብ።

ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት መጠን ንምዝራብ ግን፡ እዋኑ ገና ምዃኑ ቢሮ ሕርሻ ትግራይ ንቢቢሲ ይገልጽ።

ወለንተኛታት መናእሰይ’ቲ ክልል ካብ ወረዳ ናብ ወረዳ እናተንቀሳቐሱ ኣብቲ መኸተ ዓብዪ ግደ ዝተጻወቱ ኾይኖም፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እቲ ክልል ድማ ‘ቀዲምካ ናይ ዘይምድላው’ ሕቶታት ክለዓሉ ጸኒሖም እዮም።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገበ: ኣብ ትግራይ ልዕሊ 50 ዕስለ ኣንበጣ ከምዝኣተወን እቲ ዝተግብረ ምክልኻል እንተዝደክም ነይሩ ዝኸበደ ዕንወት ክበጽሕ ከም ዝኽእል ንቢቢሲ ገሊፆም።

ወራር ዕስለ ኣንበጣ እውን እንተዘይነብር: “ዓመታዊ ትሕቲ 5 ሚኢታዊት ምህርቲ ብባልዕን ሕማምን ዘራእቲ ክጉዳእ እዩ ኢልና ኣብ ትልምና ንሕዝ ኢና” ይብሉ ዶ/ር ኣትንኩት።

“ኣብዚ ዓመት ዋላ እውን ኣንበጣ ኣብ ዝኣተወሉ ኩነታት ልዕሊ 5 ሚኢታዊ ምንካይ ምህርቲ ከጓንፍ ከም ዘይብሉ ሰሪሕና ኢና” ኢሎም።

እቶም ሓላፊ ቢሮ እዚ ይበሉ ‘ምበር መጠን እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ዛጊድ ኣይተፈልጠን፤ እቲ ቢሮ’ውን ኣይገለጸን።

'ሕዚ እውን እንታይ ከምዝስዕብ ኣብ ዘይፍለጠሉ ኩነት ክንድ'ዚ ዝኣክል ዕንወት በፂሑ እዩ’ ምባል ከምዘይካኣል ዶ/ር ኣትንኩት ተዛሪቦም።

"ካብ ውሽጥና ዝለዓል ሕማም እንተዝኸውን ነይሩ ክንዛረበሉ ምኽኣልና። ኮይኑ ግን መልዐሊኡ ካብ ካልእ ምስ ምዃኑ ንሓደ መዓልቲ ሓራ ዝወፀአ ከባቢ ስለ ዘሎ ውሕስ ምግባር ኣይከኣልን" ይብሉ።

ምስ መንግስቲ ፈደራል ተሓጋጊዝካ ኣብ ምስራሕ ኣብቲ መጀምርታ እዋን: ምስ ሚኒስትሪ ሕርሻ ተሓጋጊዝና ንሰርሕ ነይርና ዝበሉ ዶ/ር ኣትንኩት፡ ድሮን ክነምፅእ እንከለና ዕንቅፋት ምስ ጎነፈና ደብዳቤ ክሳብ ምፅሓፍ ሓጊዙና እዩ ኢሎም።

ደሓር ግን መንግስቲ ፈደራል ነገራት ፖለቲካዊ መልክዕ እንተትሕዞ ሚንስትሪ ሕርሻ ዝበሎ ኣይነበረን፤ ካልኦት ኣካላት መንግስቲ ፈደራል ግን ድማ ዘይምልከቶም ኬሚካል ነፂግና ክሳብ ምባል በፂሖም ብምባል ይነቕፉ።

'ፋኦ' እንታይ’ዩ ሓጊዙ?

ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም 'ፋኦ' ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብቐጥታ ተራኺቡ ይሰርሕ ምህላዉ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገበ ተዛሪቦም።

ነፈርቲ ናብ ትግራይ ብምልኣኽ ዳህሳስ ከም ዘካየዱን ኣብ ባይታ ወሪዶም ነቲ ኩነታት ከም ዝረኣዩን ዘድሊ ሓገዝ ንምሃብ ምስቲ ክልል ብሓባር ይሰርሑ ከም ዘለዉን ተገሊፁ ኣሎ።

"ፋኦ እቲ ኩነታት ብደረጃ ዓለም እውን ስለ ዝተረደኦም: ብሰናይ ተበግሶኦም ምሳይ ብቐጥታ ብምርኻብ ሓገዝ ክህቡና ከም ዝደልዮ ብምግላፅ: ይሰርሑ ኣለዉ" ኢሎም።

'ፋኦ' ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዞባ ማእኸል ብነፋሪት ክነፅጉ ከም ዝሓተቱን ኮይኑ ግና ምስቲ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢ ምስ ምዃኑ ስለ ዘይመቸወ ኣብ ባይታ ብሓይሊ ሰብ ኣብ ዝካየድ ስራሕቲ ምንፃግ ዘድሊ ሓገዝ ሓቲቶምና ኣለና ኢሎም እቶም ሓላፊ::

ወራር ኣንበጣ ክንድ'ዚ ዝኣክል ዕንወት ዘውርድ ዘሎ ቅንዲ መንቀሊኡ: ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝጠንክሩ መንግስታት ዘይምህላዎም እዩ ዝበሉ ዶ/ር ኣትንኩት ብሰንኪ'ዚ ሃገራት ዝተዋደደ ሜላ ምክልኻል ከካይዳ ከምዘይከኣላ ይገልፁ።

"ዓሚ’ኳስ ምቁፅፃር ምተኻእለ ነይሩ: ካብ የመን ተበጊስና ሶማልን ኢትዮጵያን ዝደኸሙ መንግስታት እዮም ዘለዉ: መን ይቆፃፀሮ? እምበር ኣንበጣ ቅድሚ መንፈር ምውፅኡ ኣብ ዘለዎ ከይድካ ምጥፋእ ምተኽኣለ ነይሩ" ኢሎም።

ከም ክልል ትግራይ እውን ነቶም ብውልቀሰባትን ትካላትን ዝተጀመሩ ሓደስቲ ምህዞታት ብቐፃልነት ምትብባዕ ከም ዘድሊ መንግስቲ ትግራይ እውን ኣብኡ ኣድሂቡ ከም ዝሰርሕን እምነት ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ምዃኑ ተገሊፁ ኣሎ።

ነቲ ካብ ደገ ዝመፅእ ዘሎ መንፀጊ መሽናት ኣብ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ ተደጊሙ ንኽስራሕን ኣብ ምግባር ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እውን ዶ/ር ኣትንኩት መዝገበ ገሊፆም እዮም።

መግለጺ ቪድዮ, ኣደታት እንደርታ ግራተን ኣብ ምቁማት ውዒለን የምስያ