ገዲም ጋዜጠኛን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራዊ ብርሃነ ወልደገብሪኤል ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, BW
ንጡፍ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ገዲም ጋዜጠኛ 'ሱዳን ናው' ነበር ኤርትራዊ ብርሃነ ወልደገብርኤል ብዝሓደሮ ሕማም፡ ኣብ መበል 74 ዕድሚኡ ትማሊ 26 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ለንደን ዓሪፉ።
ብርሃነ፡ ብ7 ጥሪ 1946 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ዓዲ ጭጉኑ ወረዳ ቖሓይን ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ እዩ ዓብዩ።
ወላዲኡ ኣብኡ ተለንተ ወልደገብሪኤል ወልደገርግሽ፣ ኣዲኡ ድማ ወይዘሮ ትበርህ ኣዳነ ኮይኖም፡ ብርሃነ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተማሂሩን፤ ሚሂሩን።
ወዲ ፖሊስ ብምንባሩ ኣብ መዘናታቱ ብወዲ ሓላው ወሰን ዝፍለጥ ብርሃነ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ሰምበል ዓብዩ።
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራ፡ ጎዳይፍ፡ ካምቦኒ፡ ሳንጀርጆ መንደፈራ፡ ልኡል መኮነን ኣስመራ ተማሂሩ።
ላዕለዋይ ትምህርቱ ምስ ወደአ ከኣ ኣብ ደብረ ብርሃን ናይ መምሃራን ስልጠና ወሲዱ፤ ኣብ ከፋ ንሰለስተ ዓመት ምሂሩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ'ውን ታሪኽን ትምህርትን ኣጽኒዑ።
ብርሃነ ኣብ ሓምለ 2017 ምስ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ትምህርቱ ምስ ወድአ መምህር ክኽውን ድሌቱ ምንባሩ ገሊጹ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, BW
ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብ ከተማ ኣቑርደት ከም ኣገልግሎት/ ሰርቪስ ንሓደ ዓመት ኣብ ካምቦኒ ፖርት ሱዳን እውን ንሓደ ዓመት ከም ዝመሃረ ይሕብር።
ብድሕሪኡ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜናን ባህልን መንግስቲ ሱዳን ኣብ ካርቱም ንሸውዓተ ዓመት ሰሪሑ።
ካብኡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ናይ ዜናን ርክብን ኣወሃሃዲ ኮይኑ እናገልገለ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሕጽረት መግቢ ክሞቱ ምስ ጀመሩ፡ ብርሃነ፡ "እቲ ንስደተኛታት ተባሂሉ ዝመጽእ ዘሎ እኽሎ ኣብ ስደተኛታት ኣይበጽሕን ዘሎ" ክብል ኣብ ኦክስፎርድ ዓባይ ብሪጣንያ እትሕተም መጽሔት ረፉዩጂ ስታዲስ ምስ ጽሓፈ ብመንግስቲ ሱዳን ተኣሲሩ።
እንተኾነ ድሕሪ ሓጺር እዋን ጉዳዩ ክጽናዕ ክጻረን ኣለዎ ተባሂሉ ተፈቲሑ።
ዕድል ገይሩ ከኣ እታ ዓንቀጹ ዘሕተመት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበራ መጽሔት ስለ ዝተሓበበረቶ ንዓዲ ኢንግሊዝ ኣትዩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰዋስ ለንደን ቋንቋ ትግርኛ እናመሃረን ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ ንስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ክነጥፍ ጸኒሑ።

ብርሃነ፡ ድሕሪ ተረኽቦ ሓደጋ ላምፔዱሳ ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ምስ ዝተዋፈረት ብትካል ሕጻናት ኣድሕን (ሰይቭ ዘ ቺልድረን) ምስ እትካየድ መርከብ ንሒደት ኣዋርሕ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምስራሕ ሓያሎ ስደተኛታት ብምድሓኑ ሕልናዊ ሓላፍነቱ ዝተዋጽአ ሰብ እዩ።
ንነዊሕ ዓመታት እትፈልጦ ተጋዳሊት መርየም ዑመር፡ ንብርሃነ፡ "ንባህልን ልምድን ብሄራት ኤርትራ ብዕምቆት ዝርዳእ ምስ ኩሉ እምነታት ጽቡቕ ፍልጠት ዘለዎ? ለዋህ ርህሩህ፡ ህዝቢ ክጠምር ዝጽዕር ኣካብን ሓቛፍን ሰብ እዩ ነይሩ" ክትብል ትገልጾ።
ዓሊ ህንዲ ብወገኑ፡ ብርሃነ " ንኹሎም ገዳይም ፖለቲከኛታት ኤርትራ ክዓርቕን ከላግብን ኣብ ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ተኣዊጁ፡ መኣዲ አሕዋት ተሰሪዑ ክርኢ ዝደሊ ጻዕራም ሰብ እዩ ነይሩ" ክብል ቀረባ ዓርክን መሓዝን ብምስኣኑ ሓዘኑ ይገልጽ።
ዜና ዕረፍቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስተቓልሕ ብዙሓት አዕሩኽቱን ፈለጥቱን ዝተሰመዖም ከቢድ ሓዘን ገሊጾም ኣለው።
ብርሃነ፡ ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ዕቃበ ብኩናት ንዝዓኑ ንብረትን ከባባኣን፡ "ኲናት ሰብን ጥሪትን፡ ዘራእትን ንብረትን ዘዕኑ ውሻይ እዩ!" ብዝብል ኣርእስቲ ብ7 ሕዳር 2019 ኣብ ዝወጽአ ሕታም ቢቢሲ ትግርኛ ሙሁራዊ ርኢይቶ ሂቡ ነይሩ።
ብርሃነ፡ "ኲናት ነናይ ገዛእ ርእሱ ምኽንያትን መንቀልን ዘለዎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን "ብዙሓት ሰብ ረብሓ፡ ሸየጥቲ ኣጽዋር ሃገራት፡ ብቐጥታን ብኢደ ኣዙርን ንዕዳግአን ክብላ ኢደን ዝሕውሳሉን ዘጎሃህራኦን ቀዛፊ ክስተት'ዩ" ክብል ድማ ገሊጹዎ።
ነቲ ዝያዳ ንምብራህ ከኣ፡ "ዳርጋ ኩለን እተን ኣጽዋር ዝሸጣ ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝለዓለ ጽልዋን ተሰማዕነትን ዘለወን፡ ብናይ ቀውፊ (ቬቶ) ስልጣነን ዝፍለጣ፡ ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፣ ሩስያን ቻይናን ነቲ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብአዕናውነቱ ዝዛረበሉ ዘሎ፡ ሰብን ንብረትን ዓድን ዘዕኑን ዘባድምን ተተኮስቲ፡ ዘፍርያ እየን" ብማለት፡ " ንሓንሳብ፡ መዓስ ኮን እዩ እቲ ዝበሃልን ዝግበርን ዝሳነ" ክብል የስተንትን።

ምንጪ ስእሊ, BW
ምጉቱ ብምቕጻል ከኣ "እቶም፡ ብኹናት ኣመኽኒና፡ ተፈጥሮ ኣይነዕኑ፣ ጫካታትን ኣግራብን ኣይነብርስ፣ ማያትን ቀላያትን ባሕርን ውቅያኖስን ኣይንበክል" ዝብሉና፡ እቶም መናቖቲ ኣጽዋር ዝሸጡልና ሓያላን ምዃኖም ብምግላጽ፡ ፖለቲካ ዓለምና ንለባም ኣምተሉ ምዃኑ ይገልጽ።
ብርሃነ እምበኣር ናይ ብሓቂ ክፉት ኣእምሮ ዝነበሮ፡ ንነገራት ኣስፍሕ ኣቢሉ ዝርኢ፡ እፈልጥ እየ ኢሉ ዘይዕበ ወትሩ ትሑትን መኽበሪ ሰብን እዩ ነይሩ ይብሉ እቶም ብቐረባ ክፈልጡዎ ዕድል ዝረኸቡ ብጾቱ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
