ኤሚ ኮኒ ባሬት፡ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ኮይና ተሸይማ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ትማሊ ሰኔት ኣሚሪካ፡ ኤሚ ኮኒ ባሬት ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ክትከውን ኣጽዲቑ።
ምምዛዝ ናይዛ ዳኛ 52 ብ 48 ድምጺ ዝጸደቐ ኮይኑ፡ ወገን ዶናልድ ትራምፕ ዝኾኑ ሪፓብሊካን ኣብ ልዕሊ ናይ ኣባል ዴሞክራት ጆ ባይደን ዓብላልነት ከም ዘለዎም ዘርኣይሉ ነይሩ ተባሂሉ።
ጓል 48 ዓመት ኤሚ ኮኒ ትማሊ ኣብ ዋይት ሃውስ ቃለ መሓላ ፈጺማ ኣላ።
ምምራጽ ኤሚ ኮኒ ኣብ ላዕለዋይ ፈራዲ ኣካል ኣሜሪካ ቁጽሪ ዓቃባውያን ምስ ካልኦት ብምንጽጻር 6 ብ 3 ኮይኑ ኣሎ።
ዳኛ ኤሚ፡ መተካእታ እታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝሞተት ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ዝነበረት ሩዝ ባደር ጊንስቡርግ ኮይና እያ ተመዚዛ ዘላ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ዋይት ሃውስ እንታይ ተገይሩ?
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፔንስልቫንያ ድሕሪ ዝገብሮ ጎስጓስ ናብ ዋይት ሃውስ ብምምላስ ኣብቲ ብሰኑይ ምሸተ ዝተገበረ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ፡ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኮይና ዝተመዘዘት ኤሚ ኮኒ ባረት ተሳቲፉ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ዶናልድ ትራምፕ “እዚ ንኣሜሪካን ንቅዋም ኣሜሪካን ወሳኒ ኣጋጣሚ እዩ” ኢሉ።
ብምስዓብ “ኤሚ ኮኒ ሓንቲ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ምሁራት ሕጊ እያ። ኣብቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኮይና ድማ ዝንኣድ ስራሕ ክትሰርሕ እያ” ኢሉ።
ዓቓባዊ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳኛ ክልኣረንስ ቶማስ ነታ ሓዳሽ መሳርሕቱ ክትከውን ዝተመዘዘት ኤሚ ቃለ መሓላ ክትፍጽም ገይሩ።
ኤሚ ኮኒ ባረት፡ ኣብ ምንጻል ጥንሲን መርዓ ሕደ ጾታውያንን ብዘለዋ መርገጺ ብዓቓባውያን ብዙሕ ትንኣድ ዳኛ እያ።
ተኸታሊት እምነት ካቶሊክ ዝኾነት ኤሚ ኮኒ ባረት ኣብ ኢንዲያና ትነብር ኮይና ኣደ ሸውዓተ ቆልዑ እያ።
ካብዚኦም እቶም ክልተ ካብ ሃይቲ ዘርዓመቶም እያ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
