ኣብ መካነ መቓብር ስም ኣልቦ ሬሳታት ዝዛውኑ መንእሰያት

ላምፑዴሳ

ምንጪ ስእሊ, Yoseph and Adhanom

Published

ኣብ ፈለማ እዛ ወርሒ፡ ክልተ መንእሰያት፡ ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ሲሲልያ፡ ኣብ ላምፔዱሳ፡ ፓሌርሞ፡ ካታንያ፡ ኣብ ዘሎ ህዝባዊ መቓብራት ሓፋሽን ውልቅን ኪመላለሱ ቀንዮም።

እቶም ኣብ ክንዲ ኣስማት ሰባት፡ መለለይ ቁጽሪ ዝተነብሮ መቓብራት ብሞባይሎም እናሰኣሉ ዝስንዱ ዝነበሩ ሰባት ዝረአየ ዘበለ ከኣ እዞም ፈቐዶ መቓብር ኮለል ዝብሉ ሰባት እንታዎት እዮም? እንታይ እዮም ዝገብሩ ዘለው? ስለምንታይ እዮም ነቲ ብቑጽሪ ጥራሕ ዝልለ መቓብራት ከልልዩ ኮለል ዝብሉ? ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ባህሪያዊ እዩ።

ስለምንታይ እዩ'ኸ እቲ ንሳቶም ዝበጽሑዎ ዝነበሩ መቓብራት ኣብ ክንዲ በቲ ንቡር ብኣስማት ሰባት ዝጽዋዕ ብቁጽሪ ከምዝልለ ተገይሩ? ዝብል ዓቢ ሕቶ ዘልዕል እዩ።

ዛንትኦምን ዛንታ እቲ ኮለል ክብልሉ ዝቐነዩ መቓብራትን እምበኣር ቀጺሉ እነሆ።

እዞም መንእሰያት ዮሴፍን ኣድሓኖምን ይበሃሉ። ካብታ ኣብ ላምፓዱሳ ኣማኢት ኤርትራውያን ሒዛ ብዕለት 3/10/2013 ዝጠሓለት መርከብ በብዕድሎም ዝደሓኑ ትኽ ትንፋስ አዕሩኽ እዮም። ዕርክነቶም ግን ናይ ደቂ ገዛውትን ትምህርትን ኣይኮነን። ኣብ ሻርዕ ጎደናታት ወይ ኣብ ኩዕሶ ጋንታት እውን ኣይፋለጡን እዮም።

ኣብ ጉስነትን ማሕረስን፡ ወይ ኣብ ዕስክርና ታዕሊምን እውን ዝኽሪ ሓድሕድ የብሎምን። ዕርክነቶም ናይ ሽግር ናይ ስደት እዩ። በብጸገሞም እዮም ካብ ምድሪ ኣበዋቶም ነፊጾም ዶብ ሃገር ሰጊሮም።

ምረት ስደት ከኣ ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ጎረባብቲ እዩ ጀሚሩዎም።

ንነገሩ ጥዑም ዝበሃል ስደት ስለዘየሎ፡ ማሙቕ ቤቶም ምስ ገደፉ ንኹሉ ዘጋጥሞም ብድሆታት ብፍቕርን ሓልዮትን እናተደጋገፉ፡ ኣጆኻ ኣጆኻ እናተበሃሃሉ፡ ከካብ ዝበጽሑዎ ምዕራፍ ንቕድሚኦም ትስፉው መጻኢ እናማዕደው፡ ካብ ኢትዮጵያ ንሱዳን፡ ካብ ሱዳን ንሰሃራ ተጓዒዞም።

ኣብ ነዲ ሰሃራ ንጣብ ማይ ተማቒሎም፡ ኣብ ቀዝሒ ለይቲ ሓንቲ ኣንሶላ ተኸዲኖም፡ ዝርካቡ ዝልከፍ ተኻፊሎም ተስፋ ሰኒቖም ዕድል ገይሮም ንከተማ ትራብሎስ - ሊብያ ኣትዮም።

ምድረ ሰሃራ ሰጊሩ ትራብሎስ ዝኣተወ ስደተኛ ኩሉ ሳዕ ትስፉው እዩ። ናብታ "ምድረ ተስፋን ሰላምን" እትበሃል ምድረ ኤውሮጳ ክሰግር፡ ብባሕሪ ጉዕዞ ክልተ ለይቲ ጥራሕ እዩ ዝተርፎ።

ካብኡ ንደሓር፡ እቲ ዝተረፈ ውሑድን ከቢድን ኮይኑ፡ ጸሎትን ዕድልን ሓዊስካ ዝስገር እዩ - ብዙሓት ነቲ ጸበባ ሰጊሮምዎ እዮም። ግን ከኣ ዘይሰገሩዎ እውን ኣለው።

ኩሎም እቶም ግዳያት ህልቂት ላምፔዱሳ፡ ብዙሓት ማዕበል ባሕሪ ተጻዊሮም ዝሰገሩ መዘናታቶም ስለዝፈልጡ፡ ሰሰናዩ እናሓሰቡ እዮም ናብታ መርከብ ሰቒሎም።

እታ እተስግሮም መርከብ ልዕሊ 500 ሰባት እያ ክትሕዝ። ክንድኡ ዝኣክል ቁጽሪ ገያሾ ክሳብ ዝተኣኻኸቡ ከኣ ኣሰጋገርቲ ባሕሪ "መዝርዓ" ኣብ ዝሰምዩዎ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዝተደኮነ ስቱር ካንሸሎታት እዮም ዝተኣኻኸቡ።

ድሮ ዕለተ ንቐል ንቐል፡ ደጊም ኬድና ሰገርና፡ ሽግርና ክቕንጠጥ እዩ ዝብል ስምዒት ስለዝዕብልሎ፡ ኣብቲ ብጭንቂ ዝማደየ ገጻት ተስፋን ፍሽኽታን እዩ ዝዓስል። ሽዑኡ እውን ከምኡ እዩ ነይሩ።

ቅድሚኦም ተበጊሶም ንቑጽ ምድሪ ዝረገጹ ሰባት "ንሕና ብደሓነ ሰላም ኣቲና ኣለና - ንዓና የማስልኩም" እናበሉ ስለዝድውሉሎም፡ ንዝቐደሙ ሰብ ዕድል ከማስሎም ብሃንቀውታ እዮም ዝጽበዩ።

ላምፑዴሳ

ምንጪ ስእሊ, Yoseph and Adhanom

እቲ ብዝሒ ሰብ ምስተኣኻኸበ ከኣ እታ ካብ ገማግም ሊብያ ናብ ሲቺልያ እተስግሮም ዕብይ ዝበለት መርከብ ካብቲ ገምገም ርሕቕ ኢላ ተቐረበት።

እቶም ዘሰጋግሩ ደላሎ ከኣ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ከይረኽቡዎም ብለይቲ ተሓቢኦም ብሽፉናት ዓበይቲ ማካይን እናጸዐኑ ናብቲ ገምገም ባሕሪ ወሲዶም፡ ካብኡ ብናእሽቱ ጃልባ ጸጽዒኖም ናብታ ባሕሪ ሜዲተራንያን እተስግሮም መርከብ ክሰቕሉዎም ጀመሩ።

ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ስደቶም ዘይተፈላለዩ ዮሴፍን ኣድሓኖምን ናብታ መርከብ ብሓንሳብ እዮም ደይቦም። ግን እቶም ብበትርን ታህዲድን ቦታ ዘትሕዙዎም ዝነበሩ ኣሰጋገርቲ ስለዝፈላለዩዎም ብሓንሳብ ኮፍ ክብሉ ዕድል ኣይገበሩን።

ብሰንኪ ብዝሒ ሰብ እውን ብፍላይ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝነበሩስ ኮፍ መበሊ እውን ኣይነበሮምን። ኣብ ገሊኡ ሓውሲ ብደዎም ተጸቓቒጦም ተጻቢቦም እዮም ነይሮም።

እታ መርከብ 551 ሰባት ጽዒና ቁሩብ ምስተበገሰት ናይ ባላንስ ጸገም ስለዘጋጠማ እቲ ካፕተይን ነቶም ደላሎ ሰባት ከጉድልሉ ሓቲቱዎም።

እቶም ደላሎ ከኣ ብናእሽቱ ጀላቡ መጺኦም ናብታ መርከብ ደይቦም፡ ብበትሪ እናዶግዶጉ ን26 ሰባት ካብታ መርከብ ብሓይሊ ኣውሪዶም፡ በተን ጀላቡኦም ናብቲ መጸበይ ንቕሎ ባሕሪ፡ ናብ መዝርዓ መሊሶምዎም።

ዮሴፍ ከኣ ሓደ ካብቶም እናጎሃዩ ብሓይሊ ዝተመልሱ ሰባት ነበረ። እቲ ናይ ምምላስ መስርሕ ብጸላም ስለዝተፈጸመ እቲ ትኽ ትንፋስ ዓርኩ ኣድሓኖም፡ ዮሴፍ ንድሕሪት ምምላሱ ኣይፈለጠን።

መርከብ ጽዕነታ ኣመዓራርያ ጉዕዞ ጀሚራ። ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጸገምን ጸቕጢ ማዕበልን ከኣ፡ ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ኣቢሉ ናብ ገምገም ላምፓዱሳ በጽሐት። ካብቲ ገምገም ኣስታት 800 ሜትሮ ርሒቓ ሓገዝ ሰብ መዚ ባሕሪ ኢጣልያ ክትጽበ ደው በለት።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ንሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ኣፍ ገዝኦም ተወቲፋ ክንሳ፡ ቅልጡፍ ረድኤት ኣይረኸበትን። እቶም ብህዱእ ጉዕዞ ገምገም ላምፓዱሳ ዝበጽሑ ኩሎም ገያሾ ንመብራህቲ እታ ከተማ ብማዕዶ ይርእዩዎ ስለዝነበሩ፡ ደጊም ስቓይ ጉዕዞ ስደትና ተወዲኡ እዩ ብምባል ካብታ መርከብ ተቐቢለን ናብ ንቑጽ ምድሪ ዘስግሮኦም ናይ ረድኤት ጃላቡ ጥራሕ እዮም ዝጽበዩ ነይሮም።

ድሕሪ ቁሩብ፡ ሓንቲ ብርቱዕ ባውዛ ዘብርሀት መርከብ ዘይራቶም። እታ ካልአይቲ መርከብ ከኣ መብራህቲ ወሊዓ ጉልባብ ትገብረላ ነይራ። እተን መራክብ ተመራሪሐን ምስ ከዳ ደጊም ዘድሕኑና ሓገዝ ክመጽኡና እዮም ኢሎም ብሃንቃውታ ተጸብዮም።

ረድኤት ምስ ደንጎዮምን ናብታ መርከብ ማይ ከኣቱ ምስ ጀመረን እቲ ካፕተይን፡ ሞተረ መርከብ ክውልዕ ፈቲኑ ምስ ኣበዮ፡ ኣቓልቦ ረዳእቲ ክስሕብ ሓዊ ወሊዑ ዘንደዳ ኣንሶላ ዘይተጸበዮ ባርዕ ፈጠረት።

ሰባት ካብቲ ባርዕ ክሃድሙ ካብሉ መቓምጦኦም ምስ ሓደጉ ከኣ ሚዛን እታ መርከብ ተመዛቢሉ ኣብ ላዕለዋይ ዴክ ዝነበሩ ሰባት ናብ ባሕሪ ተዃዕዯም።

እቶም ኣብ ታሕተዋይ ዴክ ዝነበሩ ከኣ ምስታ መርከብ ንታሕቲ ተኖቕቱ። በዚ ከኣ እቶም ብተስፋ ተመሊኦም ዝጸንሑ ገያሾ ስደት፡ ሃንደበት ብዝተኸስተ ሓደጋ ግዳይ ዘስካሕክሕ ህልቂት ኮኑ። እቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም መዛረቢ ኮነ።

ኣድሓኖም ካብቶም ናብ ባሕሪ ዝተኻዕውን ብዕድል ሓምቢሶም ዝደሓኑ ውጻእ መዓት እዩ። " ከመይ ገይረ ከምዝወጻእኩ ክሳብ ሕጂ እዩ ዝገርመኒ። ክንደይ ሓንቢሶም ዝኽእሉ ኪኢላታት ሞይቶም እዮም። ከምዚ ኸማይ ምንም ዘይንኽእል ብዙሓት ከኣ ብፍቓድ ፈጣሪ ድሒንና" ብምባል፡ ንዕለተ ድሕነቱ ከም ዕለተ ዳግማይ ልደቱ ከምዝርእያን ዘኽብራን ሓቢሩ።

እቶም ብጾትና ብደሓነ ሰላም ኣትዮም ንሕና ግን ሕማቐ ኣጋጣሚ ኮይኑ ተሪፍና ኢሎም ብጓሂ ተኾርምዮም ዝሓደሩ ካብታ መርከብ በባትር ተዶግዲጎም ዝተመልሱ ሰባት፡ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ቀልጢፉ ኣብ አእዛኖም ኣይበጽሐን።

ደሓር ግን ማዕከናት ዜና ዓለም ስለዝተቐባበላሉን ደሃይ ዝገብሩ ስድራ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ምስ ደዋወሉሎምን፡ ዮሴፍ፡ እቶም ብልቢ ዝፈትዎም ቀረባ አዕሩኽቱን ደቂ መቑሩሱን ተራእዮሞ ነብዐ። ገለ ቁሩብ ዝደሓኑ ኣለው ምስ ሰምዐ ከኣ እቶም ብጾቱ ካብ ብሱል ጥረ ክኾኑን ምስቶም ዝደሓኑ ክድሕኑን እናተተስፈወ ከጣይቕ ጀመረ።

እቲ ንጽባሕ ዝተባህለት ትንፋስ ሒዙ ዝደሓነ ኣድሓኖም ብወገኑ፡ ዮሴፍ ዓርኩ ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ ስለዘይፈለጠ፡ ምስቶም ዝደሓኑ ሰባት ስለዘይረኸቦ፡ ኣብቶም ካብ ባሕሪ ተተዞቒቖም ዝወጽኡ ዝነበሩ ሬሳታት ከለልዮ ብዙሕ ደኺሙ ግን ክረኽቦ ኣይከኣለን። " ዋላ እውን ሬስኡ ክሰኣን" ብማለት ከኣ ኣምሪሩ ሓዘነ።

ግን ክልቲኦም በብዕድሎም ድሒኖም ኣለው።

ላምፑዴሳ

ምንጪ ስእሊ, Yoseph and Adhanom

ብህይወት ዝደሓኑ ኣለው ዝሰምዐ ዮሴፍ፡ ኣድሓኖም ዓርኩ ካብቶም ዝደሓኑ ምዃኑ ፈሊጡ። ኣድሓኖም ግን ዮሴፍ እውን ምስቶም ዝጠፍኡ አዕሩኽቶም ሞይቱ እዩ ኢሉ ብኽያቱ ወዲኡ ነይሩ።

ዳሕራይ ግን ካብቶም ዝደሓኑ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ብልቢ ተሓጒሱ። ኣብ መወዳእታ ክልቲኦም ብስልኪ ተራኺቦም ንብዓት ናፍቖት ነቢዖም፡ "እንቋዕ እዝጊ ኣውጽኣካ እንቋዕ ዕድል ገበርካ" ተበሃሂሎም ኣብቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ ንዝተፈልዩዎም መጓዕዝቶም መንግስተ ሰማይ ከዋርሶም ተመንዮም።

ኣብ ምዕራፉ ዘይበጽሐ ገያሻይ ስለዘይቀስን ከኣ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ወርሒ እቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ላምፓዱሳ፡ ዮሴፍ፡ ከብዱ ሓቚፉ ኣብ ዝብጻሕ ክበጽሕ ምስ ብጾቱ ማእከላይ ባሕሪ ክቖርጽ ኣብ ጃልባ ደየበ። ዕድል ገይሩ ከኣ ብደሓነ ሰላም ኣትዩ ኣብ ጥልያን ምስ ኣድሓኖም ዓርኩ ተራኺቡ እቲ ዝኾነ ኩሉ አዕለልሉ።

ብድሕሪኡ ነዊሕ ኣይጸንሑን ክልቲኦም ንሃገረ ሽወደን ኣትዮም። ሕቶ ዑቕበኦም ሰሊጡዎም ዝመሃርን ዝሰርሕን ኮይኖም። ኣድሓኖም ሓዳር ገይሩ ክልተ ቖልዑ ወሊዱ ይሰርሕ ኣሎ። ዮሴፍ እውን ተመርዕዩ ቖልዓ ወሊዱ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ይመሃር ኣሎ።

ግን ከኣ ዳርጋ ዓመት ዓመት ናብቶም ፍቱዋቶም ዝሰኣኑሉ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ላምፔዱሳ ብምኻድ ምስቶም ውጻእ መዓት መሰልቶም ካልእ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከየጋጥም ንቕሓት ንምፍጣር ይጽዕሩ ኣለው።

ለብዘበን እውን ነቲ ዕላማ እቲ ሒዞም እዮም ኣብ መበል ሻብዓይ ዓመት ዝኽሪ ላምፓዱሳ ክሳተፉ ንሲቺልያ ወሪዶም።

ነቲ እዋን ክገልጽ እንከሎ ኣድሓኖም፦

"እቲ ዝኽሪ ነብሲ ወከፍ ዓመት እዩ ዝሕድሰካ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ብኽያት፡ ኣውያት፡ ዕግርግር፡ ቅድሚ ሞትን ሕልፈትን መልክዕ እቶም ሰባት ይረኣየካ። ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ምሳኻ ዝጸንሑ ሰባት ምስ ባሕሪ ተቓሊሶም ዓቕሞም ጸንቂቖም ሞይቶም ጸምበለል ክብሉ ክትርእዯም ናይ ብሓቂ ከቢድ እዩ" ይብል ነታ ህሞት ከግልጻ እንከሎ። እቲ ዝኽሪ፡ ስቓይን በሰላን ስለዝቕስቅስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ክኸይድ ኣይደለየን ኣድሓኖም። ሓንቲ ነገር ግን ክሳብ ሕጂ ተሕምሞ ኣላ።

"ከምቲ ንቡር ባህሊ ህዝብና፡ ሬሳ ደቀን ዘይቀበራ ሰንፈላል ኮይነን ዝነብራ ስድራቤታትን ኣዴታትን ኣለዋ። ብኣጋጠሚ ዓሚ ንኢትዮጵያ ምስ በጻሕኩ፡ ኣብቲ ሓደጋ ውላዳ ዝሞታ ግን ከኣ 'ወደይ ደሃይ ኣጥፊኡ እምበር ብህይወቱ ኣሎ' ኢላ እትኣምን ኣደ ረኺበ። ከምኡ ክትብል ምስ ሰማዕኩዋ ሓዘነይ ክቆጻጸር ኣይከኣልኩን" ይብል ኣድሓኖም እቲ ኣብ ከበዳ ዘሎ ከቢድ ጓህን ቃንዛን ኣብ ነብሲ ወከፍ ስድራቤታት እተን ፍቱዋተን ዘይቀበራ ኣዴታት ከምዝህሉ እናተሰመዖ።

ላምፑዴሳ

ምንጪ ስእሊ, Yoseph and Adhanom

ኣብዚ ናይ ለብዘበን ንግደት ዝኽሪ ላምፔዱሳ (03 ጥቅምቲ 2020) ዮሴፍን ኣድሓኖም ምስ ብዙሓት መንእሰያት ውጻዕ መዓት ብጾቶም ንስደተኛታት አሕዋት 'በታ እንኽእላ ዓቕሚ ንምድጋፍ እንታይ ንግበር' ክብሉ ተራኺቦም። ኣብ ርእሲኡ ንላምፔዱሳ ክነቕሉ እንከለው ሓደ ሓሳብ ነይሩዎ።

ንነብሲ ወከፍ እቲ ብቑጽሪ ተወኪሉ ዘሎ ወዲ ሓደ መዓልቲ ህጻን ዝርከቦም 369 ሬሳታት መጓዕዝቶም፡ መን መን ምዃኑን ኣበየናይ መካነ መቓብር ዓሪፉ ከምዘሎን ክስንዱዎ እሞ እቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ መቓብር ደቆም ክበጽሑ ዕድል ዘይረኸቡ መቕርቦም፡ ኣብ ዘዝጥዕሞም ግዜ መጺኦም ክርእዩዎም ንስድራ-ቤትን መቕርብን ስራሕ ከቕልልሎም ብምሕሳብ እዮም ኣብ ፈቐዶ መካነ መቓብር ኮለል ክብሉ ቀንዮም።

እቲ ኩነታት ግን ከምዝተጸበዩዎ ኣይጸንሖምን። እቲ ሓደጋ መሰጋጠመ፡ ኩሎም እቶም ዝደሓኑ፡ ንኣርብዓ መዓልቲ ነቶም ካብ ባሕሪ ተዞቒቖም ዝወጽኡ ሬሳታት መነመን ምዃኖም ኣለልዮም ነቶም መዝገብቲ ከምዝነገሩዎም ይዝክሩ።

"ዋላ እውን ነቶም ብንውሓት ግዜ ከተለልዮም ዘጸግሙ ከይተረፈ ንገሊኦም ብውቃጠኦም ንገለ ብክዳኖም ኣለሊና ሓቢርና ኢና" ሕጂ ግን እቲ ሬሳታት ፈቐድኡ ፋሕ ኢሉ መን ኣበይ ከምዘሎ ከምዘይፍለጥ ኮይኑ ጸኒሑና" ከኣ ይብሉ ኣብ ፈቐዶ መካነ መቓብራት ዓድታትን ከተማታትን ሲቺልያ ክኾሉ ድሕሪ ምቕናይ ብዘጋጠሞም ኩነታት እናሓዘኑ።

ሬሳታትና ዝግደሰሉ ኣይተረኽበን። ምስ ምንዋሕ ግዜ ከኣ መን ኣበይ ኣሎ? ቁጽሪ ክንደይ እንታዋይ ምዃኑ ንምፍላጡ ጸገም ከይከውን ስክፍተኦም ይገልጹ።

"መንግስቲ ኤርትራ፡ እዞም ሬሳታት ኣብ ሃገሮም ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ክተሓባበር ብምዝኽኻር፡ ከምኡ ክሳዕ ዝግበር፡ እዚ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢን ኣብ ጉዳይ ስደትን ስደተኛታትን ዝነጥፉ ደለይቲ ፍትሕን ካልእ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ዘበለን ነዚ ጉዳይ እዚ ኣብ መዓልቦኡ ከብጽሖ ንጽውዕ" ክብሉ ከኣ ምሕጽንተኦም ኣቕሪቦም።

ነቲ ብንኡስ ዓቕሞም ዝተበገሱሉ ገዚፍ ሕልና ክውን ኣብ ምግባር ንዝደገፉዎም ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ኣቦ መንበር ትረ-ኦቶብረ ኣቶ ታረቀን ካልኦት ብዙሓትን ብስም እቶም ኣብ ምድረ ኣበዋቶም ንቡር ቀብሪ ዘይረኸቡ ስም ኣልቦ ሬሳታት ምስጋንኦም የቕርቡ።