ኤርትራ፡ እቲ ካልእ ብደሆ - ኮቪድ-19ን ኣንበጣን

ሸዊት ምሸላ ዝበልዕ ኣንበጣ - ሞሪታንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብዚ ቕንያት ዓለማዊ መዓልቲ መግብን ምውጋድ ድኽነትን ዝዝከረሉ ዘሎ ሳምንቲ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ኢትዮጵያን ኤርትራ እውን ሕጂ ብኮቪድ-19ን ወራር ኣንበጣን ይጥቀዓ ኣለዋ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝወረረ ኣንበጣ ኣብ ሕርሻን መጋሃጫን ከቢድ ጉድኣት ከም ዝውረደ ይግለጽ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ብዞባ ደቡብ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ ቐይሕ፡ ጾሮናን ማይዓይንን ከም ዝኣተወ ዝተገልጸ ኣንበጣ ድማ፡ ብህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ንምቁጽጻሩ ይፍተን ከም ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ መጻኢ እውን ተኽእሎ ተኸታታሊ ወራራት ኣንበጣ ልዑል ምዃኑን፡ ሓይልታት ምክልኻልን ምምሕዳራት ኣካላት ምኒስትሪ ሕርሻን ውዳበታቶም ብምጥንኻር ኣንጻር ወራር ኣንበጣ መኸተኦም ከሐይሉ ክዳለው ጥብቂ መዘኻኸሪ ምቕራቡ ኣብ ናይ ትማሊ ሕታም ቢቢሲ ትግርኛ ተገሊጹ ኣሎ።

እዚ ከኣ ነቲ ብ16 ጥቅምቲ ‘ንቐጻልነት ውሑስ መኣዛዊ መግቢ፡ ብሓባር ንስራሕ!” ብዝብል ቴማ ዝተዘከረ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምርግጋጽ መግብን፡ እቲ “ንኹሉ ዝበቅዕ ማሕበራውን ኣከባቢያውን ፍትሒ ንምርግጋጽ ሓቢርና ንስራሕ” ብዝብል ቴማ ንጽባሒቱ ዝተባዕለ ምውጋድ ዓለማዊ ድኽነትን ዝያዳ በዳሂ ይገብሮ።

“ዓለም ብዘደንቕ ቁጠባዊ ምዕባለን ብፋይናንሲያዊ ዕቤትን እናሰጎመት፡ ገና ብሚልዯናት ዝቑጸሩ አህዛብ ዓለም ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ደረጃ ድኽነት ይነብሩ ምህላዎም ዘተሓሳስብ” እዩ ይብል ትካል ሕቡራት ሃገራት።

ድኽነት፡ ብቁጠባዊ እቶት ጥራሕ ዘይኮነ በቲ ንሱ ዘስዕቦ ኩለንትናዊ ድቀት እውን’ዩ ዝምዘን ዝበለ እቲ ሰነድ፡ እቶም ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ሰባት፡ መባእታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላቶም ከኽብሩን ክከላኸሉን ስለ ዘይክእሉ ክልተ ሳዕ ይብደሉ።

ብሰንኪ ድኽነቶም፡ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ናይ ስራሕ ኩነታት ክሳተፉ፤ ኣብ ዘይውሑስ ኣባይቲ ክነብሩ፡ እኹል መኣዛ ካብ ዘለዎ መግቢ ክሕረሙ፤ ካብ ምዕሩይ ስርዓተ ፍትሒ ተገሊሎም መሰረታዊ ክንክን ጥዕና እውን ስለዘይረኽቡ ህይወቶም ኣተሓሳሳቢ ይኸውን።

ኣብ 1992 ክኽበር ዝጀመረ ዓለማዊ መዓልቲ ምውጋድ ድኽነት ለብዘበን ን32 ዓመታት ይበዓል ኣሎ።

እቲ ብ1945፡ ዘተኣማምን ውሕስነት መግቢ ንምፍጣር ብምሕላን፡ ኣብ ኩቤክ ካናዳ ፈላሚ ኣኼብኡ ብምክያድ ዝቖመ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ከኣ ን75 ዓመታት ዝኣክል ዕላማታቱ ክውን ንምግባር ይሰርሕ ኣሎ።

እንተኾነ ዓለምና ቅድምኡን ድሕሪኡን ሕጂ እውን እንተኾነ ካብ ድኽነትን ሕጽረት መግብን ኣይተገላገለትን ዘላ።

ብፍላይ ኣብ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ኣፍሪቃን ኣብ ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ሳልሳይ ዓለምን ድኽነትን ሕጽረት መግብን ገና ሱር ሰሪቱ ይርከብ።

ለብዘበን ከኣ ኣብ ርእሲ ኣላታ ተወሰኸታ ኮይኑ፡ ብዝናም ሰማይ ተመሳጊኖም ዓመት ምሉእ ርሂጾም ግርሁኦም ኣብ ፍረ ዘብጹሑዎ ሓረስቶት፡ ኣብ ሑጻታት ኣጻምእ ተጸፍዩ ብዝበረረ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ምህርቶም ርእዮም ከይስእንዎ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣለው።

ኣብ ኣብ ኢትዮጵያ እኳ ድሮ እውን ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱ ኣሎ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ኣጋጢሙ ብዘሎ ዕጽዋን ምርሕሓቕን፡ ናይ ለብዘበን ዝኽሪ ዓለማዊ መዓልቲ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ፡ ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ኦፊስ ውድብ መግብን ሕርሻን ብማንዛ መራኸቢታት ኣኼባ ብምክያድ፡ ነብሲ ወከፍ ኣባል ሃገራትን ዝምልከተን መሻርኽቲ ትካላትን ቀረብ መግቢ ንምውሓስ ዝከኣሎም ክገብሩ ዝጽውዕ ርክብ ኣካይዱ።

እቲ ንምውጋድ ድኽነት ዝምልከት ዕለት እውን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ብዘይ ውሕስነት ኣከባቢ ስለዘይረጋገጽ፡ ኣብዛ ብሓባር እንነብረላ ፕላኔት ድሕነትና ንምርግጋጽ ብሕቡር ቅልጽምን ፍልጠትን ክንከናኸናን ክንከላኸለላን ይግባእ።

እቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝነብሩ አህዛብ ከኣ፡ ፈለማ፡ ኣብ ከባቢኦም ንዝፍጸም ግህሰት ኣከባብን ኪሊማን ከሕውዩ ከም ዝግባእ፤ እቶም ኣብ ምውጋድ ድኽነትን ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ዝዓዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ድማ ነቶም ብድኽነትን ድሕረትን ዝተሃስዩ ወገናት ክሕግዙን ወዲቖምዎ ካብ ዘለው ቁጠባዊ ስንክልና ከቕንዑዎምን ከምዝግባእ የዘኻኽር።

ኣብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝኽሰት ዘሎ ምልውዋጥ ክሊማን ኣብዚ ዓመት እዚ ዘጋጠመ ስግኣት ለበዳ ኮቪድ-19ን ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ጽልዋ ክፍጠር ባህሪያዊ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝተራእየ ተኸታታሊ ሕጽረትን ዝናብን ምልውዋጥ ክላይመትን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብቲ ብሰደድ ዝልእኽኦ ምህርቲ እቲ ብእታው ዘእትወኦ ዓይነት መግቢ ዝዓበየ ኮይኑ ኣሎ።

ምኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ከኣ ብ16 ጥቅምቲ ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ መግቢ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት ናይ ገዛእ ርእሳ ብድሆታትን ዕድላትን ሒዛ ከምእትመጽእ፡ ዓመተ 2020 ከኣ ብለበዳ ኮቪድ -19 ትናወጽ ምህላዋ ጠቒሱ።

እዚ ኤርትራ እትርከቦ ዞባ፡ ብተኸታታሊ ለበዳ ኣንበጣን ለመምቲ ባልዕን ርኡይ ምምዝባል ክሊማን ዝናብን ሓደጋ የንጸላሉዎ'ዩ።

እንተኾነ ኤርትራ፡ ነቲ ባህርያውን ሰብ-ሰርሖን ብድሆታት ሕርሻ፡ ከም ወትሩ ህዝቢ፣ ሰራዊትን ክኢላታትን ኣኽቲታ ትገጥሞን፡ ንሕርሻ፡ ካብ ያታዊ ኣገባብ ማሕረስ ናብ ዘመናውን ንግዳውን ሕርሻ ንምስግጋር ትጽዕር ከም ዘላን ዘረደእ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ሕቡራት ሃገራት እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታት ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ እቲ ዝኸፍአ ተርእዮ ከምዝኾነ ገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሕቡራት ሃገራት እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታት ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ እቲ ዝኸፍአ ተርእዮ ከምዝኾነ ገሊፁ

ውሕስነት መግቢ ኣብ ኤርትራ

ዓለምና ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ቀጻልነት ዘለዎ ውሑስ መኣዛዊ መግቢ ንምርግጋጽን ክትሰርሕ እኳ እንተጸንሐት ሎሚ እውን እንተኾነ ናብቲ ዝድለ ሸቶ ንምብጻሕ ነዊሕ ጉዕዞን መገድን ምኻድ ከምዘድሊ ኪኢላታት እቲ ዓውዲ ይገልጹ።

ከምቲ ኣብ መልእኽቲ ምኒስትሪ ሕርሻ ተነጺሩ ዘሎ፡ ንሕርሻ ካብ ያታዊ ናብ ዘመናውን ንግዳውን ሕርሻ ንምስግጋር ዝካየድ መስርሕ ንባዕሉ ከቢድ ጻዕርን ግዜን ዝሓትት እዩ።

እንተኾነ እቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ እውን ብግዜ ክድረትን ክድረኽን ከምዝግባእ መዓስ ክንደየናይ ስጉሚ ትኸይድ? መዓስከ እቲ ደረተ ትርኢት ተስፋ ወይ ፍረ እቲ ጅማረ ትርእዮ? መዓስ’ከ ነቲ ራኢ ትበጽሖ? ክንጸር ይግባእ።

ካብኡ ተረፈ “ንፍትን ኣሎና፤ ንጽዕር ኣሎና ክበሃል 30 ዓመት ዝወስድ እንተኾይኑ፡ እቲ ጉዕዞ ክኽለስን ክግምገምን እዩ ዝግባእ” ክብል ኪኢላ ሕርሻ ዶክተር ተኽለ ሰሎሞን ሓቢሩ።

እዋናዊ ሓቅታት ብዛዕባ ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ምውጋድ ድኽነትን

ዓለም ዓመታዊ ንኹሉ ዝኣክል መግቢ ከተፍሪ እኳ እንተጸዓረት ገና ግን ኣስታት 800 ሚልዮን ህዝቢ ዓለም ጠምዮም ይሓድሩ።

እዚ ማለት ከኣ ሓደ ካብ ዓሰርተ ሰባት ይጠሚ ማለት እዩ። ካብኣቶም ከኣ 60 ሚኢታዊት ደቀንስትዮ እየን።

እቶም 80 ሚኢታዊት ካብቶም ብጥሜት ዝተጠቕዑ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝነብሩን ብሕርሻ ዝነባበሩን እዮም።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ ካብቶም ብሕማም ዓሶ፡ ሕማም ዓባይ ሰዓልን ኤችኣይቪ ኤይድስን ዝሞቱ ሰባት እቶም ብጥሜት ዝሞቱ ከምዝበዝሑ መጽናዕቲ ሕቡራት ሃገራት የረድእ።

ሞት ኣስታት 45 ሚኢታዊት ሕጻናት ዓለምና ከኣ ብዓጸቦን ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ከምዘጋጥም ሊቃውንቲ እቲ ዓውዲ ይሕበሩ።

ዓለምና፡ ብኣህጉር ደረጃ ንዘጋጥም ዓጸባ ንምግጣም ዓመታዊ 3.5 ትሪልዮን ዶላር ኣመሪካ ተውጽእ።

ኣስታት 1.9 ቢልዮን ማለት ዳርጋ ልዕሊ ርብዒ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም፡ ልዕሊ ንቡር ክብደት ወይ ክራሸ ኣለዎ።

ክርሸት ከኣ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ንሕማማት ሽኮርን ደም ብዝሕን ዘኸትል ምዃኑ፡ ብውሕስነት መግብን መኣዛዊ መግብታትን ዝዛረብ መርበብ ሓበሬታ ካኒ ይገልጽ።

እቲ ዘሕዝን ግን ዓለማዊ ሕጽረት መግቢ እናጋጠመ፡ ካብቲ ዝፈሪ መግቢ፡ እቲ ሓደ ሲሶ ንብላሽ እዩ ዝባኽን።

ብፍላይ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዓለም መዓልታዊ ዝጓሓፍ መግቢ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ቶናት ከምዝግመት ይንገር።

ዓለምና ነቲ ብቐጻሊ ዝውስኽ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ንምምጋብ ኣብ 2050 ካብዚ ሕጂ ዝፈሪ ዘሎ መግቢ 60 ሚኢታዊት ዝያዳ መግቢ ከምዘድልያ ሰነዳት ዓለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን የረድእ።

ንሕርሻ ክሊማዊ ለውጢ ካብ ዘስዕቦ ናይ ዝናብ ምምዝባል ንላዕሊ ዝጸልዎን ዘሻቕል ነገር ስለዘይህሉ ነብሲ ወከፍ ገባራይ ገረብ ካብ ምቑራጽ ክቑጠብ፡ ብዓቕሙ ከባቢኡ ክከናኸንን ክሕሉን ክምከርን ክሕበርን ከም ዝግባእ ዶክተር ተኽለ ይሕብር።

ዓለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣብ 130 ሃገራት ዓለም፡ ዝበዝሕ ኣብ ገጠራት ጥሜት ንምውጋድን ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽን ምስ መንግስታት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ብሕታዊ ትካላትን ካልኦት መሻርኽትን ይሰርሕ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ትካል፡ ጥሜትን ዓጸቦን ንሱ ዘስዕቦ ሕማምን ሞትን ንምውጋድ፡ ብውልቀ ሰባት ማሕበራትን ኮማትን ዝድገፍ ዓለማዊ ጻዕሪ ከምዘድሊ ይገልጽ።

ብተወሳኺ፡ ብኸንቱ ዝጉሓፍ መግቢ ንምንካይን እቶም እኹል መኣዛታት ዘይረኽቡ ሰባት እኹል መኣዛዊ መግቢ ንክረኽቡን ዝምልከቶም ኣካላት ጠለባቶም ንምምላእ ብደረጃ መንግስትን መሻርኽቲ ኣካላትን ተወሳኺ ወፍሪ ክግበር ከም ዝግባእ የዘኻኽር።